ኣኼባ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ጳጳሳውያን መዋቕራት ሓለፍቲ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 ሰነ ክሳብ 15 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣበ መናብርትን ህይነተን ዘጠቓልል በቢ ሰለስተ ዓመት ናይ ዝካይዶ ጉባኤ መቐጸልታ ሳልሳይ ዓውደ ርክብ ንኸካይድ ከምዝጸዉዑን ናይ ቅድስስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ 2013 እቲ ካልኣይ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምንባሩ የዘኻኽሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ኣኼባ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቀዋሚ ሰራሕተይናታት ናይ ስነ ሜላዊ ርክባትን 103 ጳጳሳውያን ወከልትን 98 ሓዋርያዊ ልኡካንን 5 ቀወምቲ ተዓዘብትን እቲ ኣኼብ ኣብ ዝዛዘመሉ ዕለት 15 ሰነ 2019 ዓ.ም. 46 ልሂቃን ሓዋርያዊ ልኡካን ከምእተዓደሙ ዝሓበሩ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡
ክፍለ ዓለማዊ መሰረት ዝገበረ ጉጅላዊ ዘት ምስ ኵርያ ሮማና
ዕለት 13 ሰነ 2019 ዓ.ም. ተጋባእያን ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ክግበረሎምን፡ ቃል ምዕዳን እውን ክልገሱ ከምዝዀኑን ሓዋርያዊ ልኡካን ብዝዕባ ኣብ ዘገልግሉለን ዘለዋ ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህልው ኩነታት ብዕምቆት ዓለም ሓቀፋውን ውስጠ ሃይማኖታዊ ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣደጊፎም መግለጺ ክህቡን፡ ክፍለ ዓለማዊ መሰረት ዝገበረ ብጉጅለ ዝተወደበ ርክባት ምስ ኵሪያ ሮማና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይት ጽሕፈት ክካየድ ምዃኑ ገሊጾም።
መንፈሳዊ መደብ ዘጠቓለለ ዓውደ ርክብ
ዕለት 15 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሎም ተጋባእያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ከዕርጉን እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዘስምዕዎ ቃል ከምዝብገስን ጂሶቲ ገሊጾም፡ ኩሎም ተጋባእያን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ምስ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምሳሕ ማእድ ክቋደሱ ምዃኑ ኣፍሊጦም።