ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ንወግዓዊ ምብጻሓ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ንወግዓዊ ምብጻሓ ኣብ ሃገረ ቫቲካን 

ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ንወግዓዊ ምብጻሓ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ቀዳማይ ርክብ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደን እቲ ካልኣይ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ እውን ከምዝነበረ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣትዉ ናይ ፈደራላዊት ራሻ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ተቐቢሎም ከዘራረቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝተሓረዩሉ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንነጀው እዚ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንርእሰ ብሔር ፑቲን ንሳልሳይ ጊዜ ተቐቢሎም ከዘራርቡ ከምዝዀኑ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ቀዳማይ ርክብ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደን እቲ ካልኣይ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ እውን ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም፡

ቀዳማይ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዕለት 13 መጋቢት ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዘካየድዎ ቀዳማይ ርክብ ናይ 35 ደቓይቕ ግላዊ ዝርርብ ዝተኻየደሉ ከምዝነበረን፡ ብዛዕባ ኩነታት ሶሪያ ከምእተመያየጡ ይዝከር፥

ካልኣይ ርክብ

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ካልኣይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ መዝገብ ዝተኻየደን ንሓምሳ ደቓይቕ ዝኣክል ዘተን ብዛዕባ ኡክራይንን ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ዒራቕን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዘካየዱ እውን ጂሶቲ ኣዘኻኺሮም፥

ርክብ ፑቲን ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን

ናይ ፈረደራላዊት ራሻ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣብ 2007 ዓ.ም. ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ከምዝነበሩን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ፈደራላዊት ራሻን ዘሎ ርክብ ሰናይን ጥብቅን ምዃኑ ከምእተሰመረሉን ብኻልእ መዳይ እቲ ርክብ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕን ዘጠቓለለ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዓበይቲ ጉዳያት እውን ተመያይጦም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ንወግዓዊ ምብጻሓ ኣብ ሃገረ ቫቲካን
07 June 2019, 17:12