ኣብ ሉርድ ንመፈሳዊ ነጋድያን ዝሓልይ ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ከምዝሰመዩ ኣብ ሉርድ ንመፈሳዊ ነጋድያን ዝሓልይ ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ከምዝሰመዩ 

ኣብ ሉርድ ንመፈሳዊ ነጋድያን ዝሓልይ ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ከምዝሰመዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ሕዝባውያን መንፈሳውነት ነቲ ዝተቐበልናዮ እምነት ኣብ ሓደ ባህሊ ዝስብእን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እምነት ክመሓላለፍ ዝድግፍ ምዃኑ የመላኽቱ

ኣብ ፈረንሳ ናይ ሊለ ሰበኻ ተራዳኢ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ሀሩዋርድ ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሉረድስ ንሓልዮ መንፈስውያን ነጋዳ ፍልዩ ልኡከ ር.ሊ.ጳ. ከይኖም ንዘይተወሰነ ግዜ ንኸገልግሉ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሰምዩ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቦም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔየሊ - Andrea Tornielli ኣፍሊጦም።

ስምዕዕን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ከምቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ መጂጐሪ ኣብ ዝምልከት ምስ ዝሃብዎ ውሳኔ ዝሰማማዕ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ንናይ መንፈሳውያን ነጋዶ ክንክንን ቅዱሳት ማይርያማውያን ስፍራ ንናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጥልቂ  ጸሎትን ክርስቲያናዊ ምስክርነትን ዝብል ድላይ ዝንበሮም ክዀኑ ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሎም ዝህብዎ ውሳኔ ምዃኑ ኣብቲ ካብ ቅዱስነቶም ናብ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ሀሩዋርድ ኣብ ዘመሓላለዎ መልእክቲ ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ኣብ ሉድረስ ቅዱስ ስፍራ ዝምልከት ከይኑ ad nutum Sanctae Sedis – ንናይ ቅድስቲ መንበር ድላይ ስንድው ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዝንበሮ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝርከብ ካብቶም ማርያም ዝተገለጸትሎም ስፍራታት ሓደ ኣብ ዝዀነ ማእከል መንፈሳውያን ነጋዶ ዕለት 6 ሰነ 2019 ዓ.ም. ተረኺቦም ዘንበብዎ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ንናይ ቅዱሳት ስፍራ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ዝኸበረ ትኵረት ክግበር ዝብል ሓላፍነት እውን ከምዝሃብዎን ክዝከር እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብቲ ብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸር ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነገዶ ዝውሕዝሉ ቅዱስ ስፍራ ዘሉረድ ምብጻሕ ከካይዱ ብቕዱስ ኣቦና ተላኢዀም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ብፁዕ ኣቡነ ፊሲከላ ኣብ ሉርደስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ድሕሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ክትትል እቲ ሉርደስ ቅዱስ ስፍራ ክህልዎ ዝግብኦ ቅዱስ ስፍራውነት ቅርጽን መልክዕን ከምዘላለዩን፡ ማለት ድሮ ነቲ ዘለዎ ግምት ብምሃብ ብዝያዳ ንናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ድላይ ጸሎትን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ስፍራ ክኸውን ንምትብባዕ ዝብል ውሳኔ ምዃኑ ይገልጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ሀሩኣርድ ናይ ሊለ ሰበኻ ጳጳሳዊ ስልጣኖም ከምዘሎ ዝቕጽል ኰይኑ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎም ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንናይ ሉርደስ ቅዱስ ስፍራ ጥራሕ ዝምልከት ከይኑ ናይ ሰበኻ ታርበስን ሉርድስን ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላስ ዣን ረነ ብሩወት ከምዘለሉ ዝቕጽል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ኣቡነ ሀሩኣርድ ዝተወሃቦም ንናይ ሉርደስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንዘይተወሰነ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚህ ከምቲ ናይ መጂጎሪ ኣቡነ ሆሰር ከምእተወሃቦም ዓይነት ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘይኰነ ብትኽክል ግብረ ኖላውን መንፈሳውያን ክንክን ንነጋድያን ዝብል ምዃኑ ቶርኒየሊ የብርሁ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ሕዝባውያን መንፈሳውነት ነቲ ዝተቐበልናዮ እምነት ኣብ ሓደ ባህሊ ዝስብእን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እምነት ክመሓላለፍ ዝድግፍ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ነዚ ኣብቲ ኣብ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝተኻየደ ንሶም እውን ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝተሳተፉሉ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘውጽኦ ሰነድ ጠቒሶም ክኸውን እንከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕዝባውያን እምንቶታት ዘንበሮ ናይ እምነት ጅማሮ ብሓባር ጉዕዞ ናብ ቅዱሳት ስፍራ ዝድርኽን ኣብ ካልኦት ዓይነት ናይ ሕዝብታት እምንቶ መግለጽታት ዝሳተፍን ደቕኻን ካልኦትን እውን ምሳኻ ንኽነግዱ እትዕድመሉ ብምዃኑ ንገዛእ ርእሱ መጋብርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ነዚ ወንጌላዊ ልኡኽነት’ዚ ክዓግቶ ኰነ ክቆጻጸሮ ዝኽእል ማንም ሓይሊ ክህሉ ኣይክእልን ከምዝብሎ እዩ።

(Andrea Tornielli)

ኣብ ሉርድ ንመፈሳዊ ነጋድያን ዝሓልይ ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ከምዝሰመዩ
07 June 2019, 17:04