2019.06.26-29 ጭሮሖ ዓለም-ለኸ ናይ ካቶሊካዊ ሕትመት መዓልታት ካብ ዕለት 26 ሰነ ክሳብ 29 ሰነ 2019 2019.06.26-29 ጭሮሖ ዓለም-ለኸ ናይ ካቶሊካዊ ሕትመት መዓልታት ካብ ዕለት 26 ሰነ ክሳብ 29 ሰነ 2019 

ምልውዋጥ ፍልጠትን ተመኵሮን ናይ ካቶሊካውያን ሕትመታት

ሓላፊ ቤት-ሕትመት መጻሕፍቲ ናይ ቫቲካን ‘ምንጻፍ መሰረት ናይ ብሓባር ምስራሕ፣ ዓለም-ለኸ ካቶሊካውያን ኣሕተምቲ’ ብዝብል መሪሕ-ቃል ኣብ ዓለም-ለኸ ናይ ካቶሊካዊ ሕትመት መዓልታት፣ ካብ ዕለት 26 ሰነ ክሳብ 29 ሰነ ኣብ ሮማ ክካየድ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ’ዚ ኣብ ሮማ ዝካየድ ጉባኤ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብ ምሕታም ካቶሊካዊ መጻሕፍትን ሰነዳትን ዝነጥፉ ኮይኖም፣ ኣብ ስርሖም ንዘጋጥሞም ብድሆታት ንምዝርራብ ከምዝመጹ ተፈሊጡ። እዚ ዝግበር ጉባኤ ብተበግሶ ኣጎልግሎት ዜና ናይ ቅድስቲ መንበርን ብጉኤ ጳጳሳት ዓዲ ጣልያን ዝምራሕ ሃገራዊ ቤት-ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓንን ከምዝካየድ ተመልኪቱ። ናይ ቫቲካን ሓላፊ ቤት-ሕትመት መጻሕፍቲ ዝኾነ ጁሌስ ቄሳር ‘ፌስቡክ ሃገር ኔራ እንተትካውን ምናልባሽ ካብ’ታ ኣብ ብብዝሒ ሕዝባ ፍልጥቲ ዝኾነት ሃገረ ህንዲ ዝበዝሑ ሕዝቢ ምተቐመጡዋ ኔሮም’ ብምባል፣ ነቲ ንዝቕጽል መዓልታት ኣብ ኣዳራሽ ኣውረልያ ሮማ ዝካየድ ጉባኤ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምግላጽ፣ ክሳተፍ ንዝደሊ ብ -------ዝብል ኣድራሻ ምሕባር ከምዝከኣል ኣፍሊጦም። እዚ ዝግበር ጉባኤ ንቕልጡፍ ምልውዋጥ ናይ’ዚ ግዜና ግምት ብምእታው፣ ተልእኾ ስብከት ወንጌል ብግቡእ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ካብ’ዚ ቀጽልና ኣካያዲ ቤት-ሕትመት መጻሕፍቲ ቫቲካን ምስ ዜና ቫቲካን ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ከነቅርበልኩም ኢና።

መጀመርያ ዝቕረበ ሕቶ ‘ብሕጽር ዝበለ፣ ዕላማ ናይ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ካቶሊካዊ ሕትመት እንታይ ኢዩ᎒’ ዝብል ኮይኑ፣ ‘ዕላምአን፣ ምሕታም ናይ ካቶሊካዊ ሰነዳትን መጻሕፍትን ንምዝካርን፣ ተመኩሮ ንምልውዋጥን ተባሂለን ዝተፈልያ መዓልታት ኮይነን፣ ብሓድሽ ርድኢት ኩለን ብሓባር ዝሰርሓሉ ሃዋህው ንምፍጣር ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ምስ ጊዜ ዝኸዳን፣ ንህሉው ኩነታት ናይ ህጹጽ ተርእዮታትን ፋሽንን ባህልን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ተዋሳእቲ ክኾናን ከምዘለወን፣ ኣብ ነንሓድሕደን ክተሓጋገዛን ተመክሮ ክለዋወጣን ክዓብያን ብዝብል ሓሳብ ኢዩ። እዚ ክዉን ንምግባርን ምስ ጊዜ ንምኻድን፣ ኩሉ ጊዜ ንለውጢ ስንድዋት ክኾናን፣ ንሕሉፍ ኣካይድአን ብዘመናዊ ለዊጠን ዘለወን መልእኽቲ ስብከተ-ወንጌል ብዝለዓለ ንሕዝበን ከመሓላልፋ ይሕግዘን’ ብመባል መልሲ ሂቡ።

ዝቐጸለ ሕቶ ‘ሓደ ካቶሊካዊ ኣሕታሚ እንታይ ክግብር ኣለዎ᎒’ ዝብል ሕቶ ኮይኑ ‘መጀመርያ ራኢ ናይ ቤተክርስትያን ናይ`ዚ ጊዜ’ዚ ክፍልጥ የድሊ፣ እዚ ማለት ጊዜ ንዝህቦ ምልክታት ብግቡእ ምንባብን ምግንዛብን፣ ነቲ ኣምላኽ ብዝተፋላለየ መንገዲ ኣብ ህሉው ፍጻሜታት ዓለም ዘቃልሖ ድምጽን ዘሕልፎ መልእኽትን ጽን ምባል፣ ከም ዘድሊ ብምግላጽ፣ ኣብ ኣጋ ምሸት ናይ ረቡዕ ዕለት 26 ሰነ 2019፣ ኣብ ምጅማር ናይ’ቲ ጉባኤ፣ ዳይረክተር ናይ ማእከል ቤት-ማሕተም ኣሌቲ ዝኾነ ምሁር ናይ ንባበ-ምለኮትን ኣርቲስትን ኢየሱሳዊ ማርኮ ኢቨን ሩፕኒክ ንተጋባእቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖታዊ ሕትመት ኣብ ህሉው ባህላዊ ኩነት ዝብል ኣገዳሲ ሓሳብ ብምልዓል፣ መጻሕፍቲ መሳርሒ ናይ ምዝርጋሕ ጽባቐን ተስፋን እምነትን ከምዝኾኑ ድሕሪ ገሊጹ፣ ንዕኦም ንምዝርጋሕ ምስ ጊዜ ዝኸዱ ኣገባባት ከም መራከቢ ብዙሓን ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ተጠቂምካ፣ ንሕልኽላኻት ናይ ጊዜና ሰጊሩ ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ምግባር’ ከምዘድሊ፣ ብምግላጽ ምላሽ ሂቡ።

ቀጺሉ ዝቐረበ ሕቶ ‘ካብ ብዝሒ ጉባኤታት እንታይ ሓድሽ ነገር ክመጽእ ይኽእል᎒’ ንዝብል ጥያቐ ንምምላስ ‘ ኣብ ረቡዕ ንግሆ ብዛዕባ ጎጉልን ኣጠቓቕምኡን ክንርኢ ኢና፣ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጎጉል፣ ሓደ ካብ’ቲ ብዙሓት ተጠቀምቲ ድጅታል ዓለም ዘለዉዎ ኮይኑ ምስ ብዙሓት ካቶሊካውያን ጉጅለታት ኣሕተምቲ ዘለዉዎ ባያርድ ከምዝወዳደር ብምግላጽ፣ ኣብ ቀጻሊ ንኣብ ብራዚል፣ ህንዲ፣ ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ስዊድን ከምኡ`ውን ፖርቱጋል ዝካይድ ናይ ተጠቀምቲ ካልእ ዝተፋላለየ ኣገባባት ዝኮኑ ብምቕራብ፣ ንዘሎና ተመኩሮታትን ፍርያትን ብምልውዋጥ ርእስናን ህዝብናን ከነዕቢ’ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግላጽ መሊሱ።

ስዒቡ ዝቐጸለ ሕቶ ‘እቲ ብነፍስወከፍ ዝቐርብ እንታይ እንታይ የጠቓልል᎒’ ዝብል ሕቶ እንክኸውን ‘ነፍዝወክፍ ተሳታፊ ተመኩርኡን ፍርያቱን ንኻልኦት ዘርእየሉን ዝገልጸሉን ጊዜ ክወሃቦን፣ ኣኣብ ቦትኦም ንዘጋጥሞም ብድሆታት ብኸመይ ከምዝፈትሕዎን፣ ብመንግዲ ፍርያቶም ብግብሪ ንካልኦት ዘርእይሉን ዘካፍልሉን መደብ ከም ዘሎን፣ ንሕና`ውን ንስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርስተ.ሊ.ጳጳሳት ዝሓዙ ሰነዳትን መጻሕፍትን ንኣገልግሎት ስንድዋት ንምግባር እንጥቅመሎም ኣሰራርሓ ምስ ካልኦት ከነካፍሎ ምዃና ንሕብር’ ክብል ከምዝመለሰ ተመልኪቱ።

ቀጺሉ ዝቕረበ ሕቶ ‘ኣብ ዕላማ ናይ`ዚ መደብ ዘሎኩም ራኢ ከመይ ይመስል᎒’ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ሓደ ሓደ ጊዜ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ኮነ ምስ ብጻይካ ጽቡቕ ርክብ ይሃሉኻ፣ ዝብል ክርስትያናዊ ጽዋዕታና ሸለል ብምባል፣ ኣብ ሓደ ኣገባብን ስርዓትን ጥራሕ ተሓጺርና፣ ንብዙሕነት ኣቀራርባን ድሌታትን ተጠቀምቲ ዕሽሽ ምባል ኣቝምና፣ ኣብ ተገልገልቲ ዘሎና ኣጠማምታ ብምዕባይ፣ ንዘሎና ፍርያትን ተመኩሮታትን ብምልውዋጥ፣ ኣገባብ ኣቀራርባና ከነሃብትምን፣ ተጠቀምቲ ከነብዝሕን ከምዘሎና ዘምህር፣ ንዓርቢ ዕለት 29 ሰነ 2019 ብዓለማዊ ኒክ ሞሪስ መስራቲ ካንቫስ 8 ዝወሃብ ንኣድላይነትን ተጠቃምነትን ማእከል ዝገበረ ትምህርቲ ክህሉ`ዩ’ ብምባል መሊሱ።

ቀጺሉ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ሕቶ ‘ናይ ስራሕ ጉጅለታት ፈሊኹም`ዶ᎒ ኣብ እንታይ’ከ ከተተኩሩ ኢኹም᎒’ ዝብላ ሕቶታት ንምምላስ ‘ብሓፈሻ እዘን ናይ ጉባኤ መዓልታት፣ መበግሲ ናይ`ቲ ቀጻሊ ክኸውን ዘለዎ ናይ ካቶሊካውን ዓለማውን ሕትመት ምልውዋጥ ትመኩሮ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ከም ናይ ኣማዞን ዝኣመሰሉ ቅልጡፋት ናይ ምዝርጋሕ ኣግባባት፣ ነቲ ብተዛማዲ ድኹም ዝኾነ ኣዘራግሓ ናይ ካቶሊካዊ ሕትመታት ብግዜ ኣብ ኩሎም ተጠቅምቲ ንምብጻሕ ሓጋዚ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ካብ ምትሕግጋዝ ንዝርከብ ዓቢ ረብሓ ምግንዛብ የድሊ’ ብምባል ድሕሪ መሊሱ ተጋባእቲ ኣብ’ቲ ኣርእስቲ መደምደሚ ሓሳባት ክህቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፣ ቃለ-ምሕትቱ ደምዲሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 June 2019, 19:51