ሰነድ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ስነ ጾታ፥ ብዘይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዘተ ኣብ ስነ ጾታ መጽናዕቲ ቅቡል ሰነድ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ስነ ጾታ፥ ብዘይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዘተ ኣብ ስነ ጾታ መጽናዕቲ ቅቡል 

ሰነድ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ስነ ጾታ፥ ብዘይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዘተ ኣብ ስነ ጾታ መጽናዕቲ ቅቡል

እቲ ሰነድ ነቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተደርሰ ናይ ፍቅሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝገበረ እዩ። ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍቕሪ ንዝቐርብ ስነ ሕንጸት ዘመስርቕ ኰይኑ፡ መርሓ ስነ ጾታዊ ሕንጸት ናይ 1983 ዓ.ም. ሰነድን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ሰነዳትን ዝውከስ

ኣብዚ ኣብ ጉዳይ ስነ ሕንጸት መዳይ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን ኮይኑ ኣብ ዝርከብ እዋናዊ ዓለም ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ድዩ ወይ ርእዮተ ዓለም መሰረት ዝገበረ ትንትነና ስነ ጾታ ዘንብሮ ብድሆታትን ዛዕባ ሰብኣዊ ጾታን ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንምግጣም ዝድግፍ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲን ዋና ጸሓፍ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ዛኒ ክታም ዝተነብሮ ተባዕትን ኣንስትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ንናይ መደብ ሕንጸት ኣብ ስነ ጾታ ዝምልከቱ ሕቶታት ንምዝታይ ዝድግፍ ፍኖት ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝዀነን ጽማሬ ሓሳቡ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ተባዕትን ኣንስትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ንናይ መደብ ሕንጸት ኣብ ስነ ጾታ ዝምልከቱ ሕቶታት ንምዝታይ ዝድግፍ ፍኖት ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰነድ ዕላማ፡ ነቶም ኣብ ሕንጸት መዳይ ተዋፊሮም ንዘገልግሉ፡ ነቲ ሓድሽ ትውልዲ ብኣገባብ ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ጾታ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ተለዓዒሉ ዘሎ ክትዕ ብመንጽር ሕንጸት ኣብ ፍቕሪ ብዝብል ሰፊሕ ደረት ትርኢት ክዕምቕዎ ዝድግፍ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ንናይ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርትን ተቕዋማትን ማሕበረሰብ ሕንጸትን ናብቶም ብክርስትያናዊ ርእየት ዝነቓቅሑን ኣብ ካልኦት ኣባይቲ ትምህርቲ ዘገልግል መምሃራንን ኣባይቲ ስድራን ተመሃሮን ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣካላትን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማያን ምንቅስቓሳት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ኣመንትን  እውን ዘቕንዔ እዩ። እቲ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰነድ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ሕንጸት ስነ ጾታ ግምት ዝሃበን ብፍላይ ብዛዕባ ፍቕርን ስነ ጾታን ዝምልከት ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም መሰረት ዝገበረ ዝፈጥሮን ዘቕርቦምን ዘሎ ብድሆታት ብድብድቡ ጾታ ብዝብል ኣመለኻኽታ ዝገልጾ ሕድሕዳዊ ተወሃሃብነትን ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልያት ናይ ተራ ታሪኻውን ባህላውን ኵነት ሳዕቤን ቢሉ ዘቕርቦ ዓይነተይና ብድሆታት ንምግጣምን መልሲ ንምሃብን ዘለዎ ሕጹጽነት ግምት ዝገበረ እዩ። ስለዚህ በዚ ርእየተ ዓለም መሰረት፡ ጾታዊ መንነት ናይ ውልቂ ምርጫን ኣብ ግዜን ኵነትን ዝቀያየር ይኸውን፡ እዚ ብሓቂ ንስነ ሰብኣዊ ምስረቓ ዘዛብዕንን እዚ ምዝባዕ’ዚ ናይ እዋናዊ ባህሊ መግለጺ ከይኑ ዝርአይን ቅርጺ ስድራ ቤተ ዘመሳቕል እዩ። እዚ ርእየተ ዓለም’ዚ ናይ ሕንጸት መርሓ ፍኖትን ናይ ሕግን ፍትሕን ጾታዊ ስምዒት ምርጫ ንዝብል ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቕን ዝጠበቕን ንኽኸውን ዝገብርን ካብቲ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ስነ ሕይወታዊ ዝቖመ መንነታዊ መግለጺ ግቡእን ግዴታን የብሉን ዝብል እዩ። እቲ ሰነድ ነቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተደርሰ ናይ ፍቅሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝገበረ እዩ። ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍቕሪ ንዝቐርብ ስነ ሕንጸት ዘመስርቕ ኰይኑ፡ መርሓ ስነ ጾታዊ ሕንጸት ናይ 1983 ዓ.ም. ሰነድን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ሰነዳትን ዝውከስ እውን እዩ።

ጽን ብምባልን ብተመያያጢ ክትዕን ሓሳብ ብምቕራብን

ብዛዕባ ስነ ጾታዊ ሕንጸት እቲ ሰነድ ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም መሰረ ዝገበረ ስነ ጾታዊ ሕንጸን ብዛዕባ ጾታ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መዳያት ዘቕርብዎ መጽናዕትታትን ዝጠልቦም ሕቶታት ብዝተ መገዲ ብምቕራብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርእየተ ዓለም፡ ንገለ ገለ ኣስተንፍሶታት መልሲ ንምሃብን ኣብ ገለ ገለ እዋን ግምት ክትህበሉ እውን እትኽእል፡ ይኹን ደኣ እምበር ከም እንኰ ሓሳብን ምርጫን ኰይኑ ብጽቕጠት ዝቐርብ ናይ ሕጻናት ሕንጸት ዝውስን ርክባት ዝገትእ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ብዛዕባ ጾታ ዝምልከቱ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዝግለጽ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩሮም ዘብርሁ ካልኦት ምርምራት ከምዘለዉ ከምዘዘኻክርዎ እዩ። ኣብዚ ምምርማር ገዛእ ርእስኻ ከፊትካ ጽን ምባልን ምስማዕን ምዝታይን ሓሳብ ምቕራብን ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ሰነድ የመላኽት፡ ጾታውነት ካብ ምዝባዕ ንምድሓን።

ጾታ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብዝብል ፍልልይ ዘይርአይ፡ ብድብዱ ጾታ ዝብል ንበይኑ ፈሊኻ ምቕራብ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝተበገሰ ኣመለኻኽታ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተስዓታት ጾታን ወሲብን ብዝብል ኣገላልጻ ብምቕራብ በዚ ርኽበት እዚ ሰብኣዊ ፍልቀት ጾታ፡ ካብ ወሲብ ብምእላይ ዝነብር ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝሃቀነ እዩ፡ ኣብ መንጐ ባህርይን ባህልን እናዓበየ ዝኸይድ ምግርጫዋት ዘተኣታትውን፡ እዚ ብሓቂ ፈሰሳዊ ርእየት (ሱር ኣልቦ) እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቲ ቀዳማይ ናይ ወሲብ ውሁብነት (ጭብጢ) ናጻ ንምውጻእ ዝብል ኣመለኻኽታ ዘለዎ እዩ፡ ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ፍልልይ ደረቕ ዝዀነ ምዳበ ቢሉ ዝገልጽ እዩ።

ዘራኽብን ተሃሳይን ነጥቢ

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰነድ፡ ብዛዕባ ጾታ ዝግበር ምርምር ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምስትውዓል ከዕብይ ዘኽእል ነጥቢ ከምዘለዎ ከም ቅቡል ገይሩ፡ ሕጻናት ገና ከብ ንኡስ ዕድመኦም፡ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ፍሉይነቱን ዘይተደጋጋምነቱን እንኰነቱን ድዩ ሰብኣዊ ኵነታቱን (ኣካለ ስንክልና ድዩ፡ ብዝኽተሎ ሃይማኖት፡ ፍቕራዊ ዝንባለን ዓሊትን) ኣብ ምኽባር ዝድርዀም ሕንጸት ኽረኽቡ ይግባእ፡ እዚ ምዃናዊ ፍልልያት’ዚ መታን ምኽንያት ዓመጽን ኣድልዎን ኢፍትሓውነትን ዓለቐይናነትን ምንጻልን ንኸይከውን … ፡

ጾታዊ ህልዩ ብፍላይ እቲ ጸንፋዊ ካብ ባህርያዊ ኰነት ዘርሕቕ፡ ካብ ወሲባዊ መንነትን ስድራ ቤታዊ መንነትን የርሕቕ፡ … ኣካል ሰብ እውን ንገዛእ ርእሱ ናይ ውልቃዊ መንነትን ናይ ስድራ ቤታዊ ርክባትን ውሁደት ክፍሊ እዩ፡ ኣካላዊ በዓል ቤታውነት ናይ ምዃን መንነትን ይራኽብ፡ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ጾታዊ ፍልልይ ብስነ ምርምር ዝተረጋገጸ እዩ፡ ስለዚህ ዝሁም ጾታ ድዩ ወይ ሳልሳይ ጾታ ከምዘሎ ምቕራብ ልበ ወለዳዊ ፈጠራ ምዃኑ ፍልስፍናዊ ትንታኔታት መሰረት ገይሩ የነጽር። ጾታዊ ሕንጸት ኣብ ካልእነት እዩ ዝምስረት፡ ምስቲ ንሱ (ካላእይ ዘይ ኣነ) ብምንጽጻር። ምስ ካልኣይ ኣብ ምንጽጻር ኣነ-ነት ንምልላይ። … ሰብ ብእደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣቢልካ ገና ድቂ እውን እንከሎ ንምቁጽጻርን ከም ግኡዝ ነገር ምምልካት ዘለዎ ሳዕቤን የብርህ፡ እዚ ኣብ መንጐ እምነትን ተራትዖን ዘሎ ዘተ ማዕቅፍ ብምግባር እዩ።

ክርስቲያናዊ ስነ ሰብእ

እቲ ሰነድ ከም ሳልሳይ ነጥቢ ዘቕርቦ ሓሳብ፡ ኣብ ክርስቲያናዊ ስነ ሰብእ ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፡ ሰብ ከም ዝደለኻዮን ከም ድላየይ ብዝብል ኣመለኻኽታ ዘይጠዋወይ ባህርይ ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ዝብል ኣመክኖዮ ኣሰሪቱ ዘብርሆ ኰይኑ፡ እዚ ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምህዳር ሕመረት እዩ። ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም ንዝብል የዘኻኽር። ሰብ ስጋን ነፍስን ብዝብል መንጽር ምስትውዓል ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ሰብ ብትኽሎን ብጋድምን የንብብ፡ ምስ ከባቢኡን ምስ ተምሳሉን ዘለዎ ርክብን ምስ ሰገርነት (ፈጣሪ) ዘለዎ ርክብን፡ ስለዚህ በዚ መሰረት’ዚ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ኣብ ሕንጸት ብውክልና ወይ ዝምዝመዝ ክኸውን ኣይግብኦን፡ ሕጻን ምስ ኣቦን ኣደን ክዓብይ መሰሉን ክብሩን እዩ፡ መዕበያ ስድራ ቤት ክህልዎ፡ …. ስነ ጾታዊ ሕንጸት ኣካልካን ናይ ካልእ ኣካል ንምኽባር ዝድርኽ እውን እዩ፡ ኣብ ሓላፍነት ዝሓንጽ እዩ፡ …

ዘይምርድዳእ ዝልውጥ ከይዲ ዘተ

እቲ ናይ ቫቲካን ሰነድ፥ ናይ ዘተ ፍኖት ወሳኒ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ጽን ንምብህሃልን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ንምስትውዓልን ኣመክንዮ መሰረት ዝገበረ ሓሳብ ንምቕራብን ይድግፍ፡ በካሊ ዝዀነ እወታዊ ምልዋጥ ክህልው ዝግብርን ዘይምርድዳእ ዘማዕባለ ሃብቲ ክኸውንን ርክባት ክፉትን ሰብኣውን ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ርእየተ ዓለም ዝጸንዐ ፍልልያት ምኽባር ዝብል ይመስል እሞ ደሓር ንፍልልያት ዘንጠጥውን ኣብ ብሕትውና ዝሓድግ ብምዃኑ ነቲ ኣዚዩ ስንኩፍ ዝዀነ ሕቶ ጾታውነት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝሓድግ እዩ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት እውን እንተዀነ እቲ ናይ ሕንጸት መደባቱ ኣብቲ እንኰን መላኽን ርእየት ክቐውም ካብ ምግባር ክቑጠብ ኣለዎ፡ ናይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ሕጋውነትን መሰልን ክኽበርን ይግባእ፡ …. ኣባያቲ ትምህርቲ ምትእምማን ዝንበሮ ልልያ ዝካየድሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣድልዎ ዘይርኣየሉ፡ ዕጉስ ጽንታ ምክብባርን ምቅብባልን ዝንበሮ ክኽውን ከምዘለዎ ብዝትንትን ሓሳብ ይጠቓለል።

ሰነድ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ስነ ጾታ፥ ብዘይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዘተ ኣብ ስነ ጾታ መጽናዕቲ ቅቡል
11 June 2019, 17:07