ድለ

2019.06.08 ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ 2019.06.08 ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ  

ዓለምለኸ ጉባኤ መራሕቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኩሎም ማዕረ ዝኾኑላ ሓንቲ ሥድራ እያ! ር.ሊ.ጳ

ዓለምለኸ ጉባኤ መራሕቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዝኣዘዝዎ ሓዲስ ስርርዕ ንክገብሩሉ ተጋቢኦም ቀንዮም CHARIS ብዝብል ምሕጻረ ቃል ሓዲስ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ እንክምልከት ተጋባእቲ ሎሚ ፍርቂ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ 550 ዝኾኑ መራሕቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ቅዱስነቶም ብሓባር ንምጽላይን ቃለ ምዕዳኖምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምቅባልን ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተረኺቦም። ኣብቲ ርክብ ካልኦት ኣባላት እውን ስለዝተሓወስዎም ከባቢ ሽድሽተ ሺህ ከምዝነበሩ ጸብጻባት ቅድስት መንበር የመልክቱ። እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ምእኩል ብዝኾነ መንገዲ ንክሰርሕ ቅዱስነቶም ብዝኣዘዝዎ እዩ ብጸሎትን ዘተን ኪካየድ ቀንዩ።  ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ትጽቢቶም ገሊጾም።

ሎሚ ሓዲስ ምዕራፍ ናይዚ ጉዕዞ እዚ ንጅምር ኣሎና። እዚ ምዕራፍ እዚ ብሕብረት ናይ ኩሎም ኣባላት ሥድራቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ንሠናይ ነገር ናይ መላእ ቤተክርስትያን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብዛ ሥድራ እዚኣ ይገሃድ። እዚ ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲወከፍ ኣባል ማዕረ ይገብሮ ከመይ ኩሎም ኣባላትን ነፍሲወከፍን ካብ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ስለእንውለድ። ናኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዕድመ ሃብታማት ንኹን ሕጂ ዝተወለድና ብዓለም ለኸ ደረጃ ንሰርሕ ዘሎና ንኹን ኣብ ቊሾትና ኩልና ማዕረ ኢና ሓደ ኢና ኢሎም።

ካብ ብዙሓት ኣባላት ናይዛ ሥድራ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ራንየሮ ካንታላመሳውን ከም ሓጋዚ ናይቲ ዝቆመ ቤትምኽሪ እንክስየሙ ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ እውን ‘ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ንመላእ ቤተክርስትያን ምንጪ ጸጋ እዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም ነሮም።

ካሪስ ሓዲስን እንኮን ኣገልግሎት ሕብረት!

ቅዱስነቶም ነዚ ሓዲስ ተቊዋም እዚ ሓዲስ ምዕራፍ ኢሎም እንክሰምይዎ ቀንዲ ጠባዩ ኸኣ ነቲ እግዚአብሔር ዕለት ዕለት ዘሐድሶ ሕይወትናን ተግባሩን ብፍሉይ መንገዲ ዝጓሲ ኰይኑ ኩሉ ካብኡ ስለዝኾነ ምንም ዘፍርህ የብሉን ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ኣምላኽና ኣምላኽ ሓደስቲ ነገራት ብምዃኑ እቲ ሕዳሴ ከኣ ወትሩ ቡራኬ ሰማያዊ ኣቦና እዩ ከመይ ኩሉ ካብቲ ፈቃር ልቡ ስለዝምንጩ ስለዚ ኣይትፍርሁ ሃየ ንኣገልግሎት ተሰናደው ውፈሩ ብማለት ኣተባቢዖምዎም።

እዚ ኣገልግሎት እዩ ጒይትነት ኣይኮነን። ኣገልግሎት ማለት ጁባኻ ምምላእ ኣይኮነን። ኣገልግሎትሲ ምሃብ ንብረትካን ገንዘብካን ጥራይ ዘይኮነ ሕይወትካ እውን ንካልኦት ምውፋይ እዩ። ስለዚ ኣገልግሎት ናይዚ ሓዲስ ተቊዋም ንኩሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ዘፍስሶ ጸጋታት ከምቲ ንሱ ሓደ ምንጪ ዝኾነ ብውህደትን ሕብረትን እዩ ምስ በሉ ነቲ ነቢይ ኢሳያስ 54.2 ናብ የማነ ጸጋም ክተስፋሕፍሒ ኢኺ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሒቢ ንዝብል ይጠቅሱ እሞ።

እወ ስፍራ ድንኳን ክርሕብ ኣለዎ ከመይ ናይታ ሓንቲ ሥድራ ብዙሓት ኣባላት ኣብኣ ተቀሚጦም ምእንቲ ክኽእሉ። ሓድ እግዚኣአብሔር ጥራይ ከም ኣቦ ዘለዋ ሃንቲ ስድራ ሓደ ጐይታ ኢየሱስን ሓደ ንኩሉ ዝሕድስ መንፈስ ቅዱስን ዘለዋ ሓንቲ ሥድራ። ኣብዛ ሥድራ እዚኣ ብዕድመስ ይኹን ብፍልጠት ወይውን ካልእ ክእለት ልዕሊ ካልኦት ዘድሊ ወላ ሓደ የለን ከመይ ኩልና ውሉድ ናይቲ ዘፍቅር ኣቦ ኢና።

ቅድስነቶም ኣብዚ ምኽሮም ቀንዲ ዘተኰረሉ ናብ መንእሰያት ስለዝነበረ ንመንእሰያት ‘ናይ ሎምን መጻእን ቤተክርስትያን’ ይብልዎም እሞ ነቲ ህልው ኩነታት ብካልእ ኣዕይንቲ ክጥምትዎ እሞ ነቲ መጻኢ ምሳኹም ንክሃንጽዎ ሓግዝዎም ኢሎም።

ረኣዩ እሞ ክንደይ ይፋቀሩ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ሓደራ ዝገደፋ ነንሕድሕዶም ክፋቀሩ እሞ እቶም ነዚ ፍቅሪ እዚ ዝርእዩ ረኣዩ እሞ ክንደይ ይፋቀሩ ኢሎም ነቦ ክብሪ ከቅርቡ ከምዘበሎ እዞም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠመቅኩም ኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ከኣ ትርጉሙ ሓድነት ሰውነት ክርስቶስን ኣገልግሎት ድኻታትን ኣድለይቲ መሰኻኽር ስብከተ ወንጌል ንዓለምና ስለዝኾና ኲልና ነዚ ጥምቀት እዚ ዝተጸዋዕና ኢና። ስብከተወንጌል ክንብል ከሎና ክነስድዕ ምቅላስ ዘይኮነ ምስክርነት ምሃብ እዩ። ምስክርነት ፍቅሪ ምስ ሃብና ረኣዩ እሞ ክንደይ ይፍቀሩ እንክብሉ ብዙሓት ሃመሞን ቀልቦምን ኣብቲ ምስክርነት ገሮም ክህነጹ እዮም። ማሕበረ ክርስትያን ማለት ከኣ ካልእ ኣይኮነን እዚኣ እያ ድሕሪ ቢሎም ነቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ክእውጅዎ ዝቀነዩ ሓደ ደቂቅ ንሰላም መላእ ዓለም ዝብል ጻውዒት ጸሎት ዘኪሮም ቀቅድሚ ሓዋርያዊ ቡራኬ ምዕዳሎም ንሓደ ደቂቅ ብሱቚታ ምእንቲ ሰላም መላእ ዓለም ጸልዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 June 2019, 10:09