ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፥ እሙን ኣቦን መምህርን ቤተ ክርስቲያን ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፥ እሙን ኣቦን መምህርን ቤተ ክርስቲያን 

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፥ እሙን ኣቦን መምህርን ቤተ ክርስቲያን

ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፡ ብዛዕባ ሕይወት ኣብ ዝምልከት ዓቢይ ሕቶ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዘይነፍስ ጽኑዕን እሙንን ኣመለኻታ ዝነበሮምን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጸንዔን ናይ ሕይወት ክብርን ቅድስናን ምስ ግዜ ዝቀያየር ከምዘይኰነ

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝመርሕዎ ጸሎት ፍትሓተ ነፍስ ዕለት 5 ሰነ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈልዩ ብፁዕ ካርዲናል ኤሊዮ ስግረቻ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ብዝመርሕዎ ናይ ፍታሓት ቅዳሴ ከምእተፈጸመን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ኤሊዮ ስግረቻ ዝተፈጸመ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፡ ሕይወት ኣብ ምክልኻልን ሕይወት ምንቕቓሕን ኣብ ዝግበሩ ዓውደ ጉባኤታትን ፍጻሜታትን ኣብ ምስንዳውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ዝግበር ዘተ ዘራኽቡን ምእንቲ ሕይወት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱን ብሓቂ ስለ ሕይወትን ንሓልዮት ሕይወት ዝሃብዎ ምስክርነት ዘይርሳዕ ጥራሕ ዘይኰነ ንምክልኻል ሕይወት ሃብቲ እዩ ቢሎም ኣቦን መምህርን እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን ነሰ ሄር ብፅዕ ካርዲናል ስግረቻ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ነበር ኣቦ መንበር ዝንበሩን ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ዘይርሳዕን ወትሩ ህያው እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ወትሩ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርትን ዕሴታትን እሙን

ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፡ ብዛዕባ ሕይወት ኣብ ዝምልከት ዓቢይ ሕቶ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዘይነፍስ ጽኑዕን እሙንን ኣመለኻታ ዝነበሮምን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጸንዔን ናይ ሕይወት ክብርን ቅድስናን ምስ ግዜ ዝቀያየር ከምዘይኰነ ኣብ ኣመክንዮ ኣርጊጾም ምእንቲ ሕይወት ዝጣበቑ ኣቦ ከምዝነበሩ ዝዘከርዎም ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣስዒቦም፡ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ፡ ምስና ኣሎ፡ ቤተ ክርስቲያኑ ይመርሓ ኣሎ፡ ኣብኡ እምነት እንተሎና ብዘይ ምጥሓልን ተሰዓርነትን ተጻራሪ ዋሕዚ ንምዃን ንኽእልን ኣብቲ ናይ ፍጻሜ መዕረፊ ዝዀነ ወደብና ንበጽሕን ኣብቲ ሃረር ዝበልናዮ ፍጻሜና ሕይወትና ነመልሕቕን ዝብል ቃል ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ ጠቒሶም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ስግረቻ፥ እሙን ኣቦን መምህርን ቤተ ክርስቲያን
08 June 2019, 16:59