ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካርዲናላት ውሳኔ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካርዲናላት ውሳኔ 

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካርዲናላት ውሳኔ

ቀጻሊ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 17 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ጂሶቲ ሓቢሮም

ካብ ዕለት 25 ሰነ ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም መማክርት ስድስቱ ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ከምእተኻየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ መበል 30 ዓውደ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ዋና ኣመሓዳሪ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ጊዜ ገብ እቲ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ወንጌል ኣበስሩ  ዘርእስቱ ናይቲ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ሓርፋፍ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ከቕርቡን ቅዱስነቶም ውሳኔ ክህብሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም። 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት መማክርት ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ እውን ከምእተሳተፉን፡ ብፁዕነቶም ነቲ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎን 193 ዓንቀጽ ዘለዎ ስዒቡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ሰለስተ ዓንቀጻት ኣጽዲቖምን ኣዊጆምን በዚ መሰረት ክሕደስ ከምዝገበርዎን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ብዝኣወጅዎ ሓደ ሕጊ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት መዋቕር ተሓባባርያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ - ኩሪያ ሮማና ክሕደስ ወሲኖም፡ እቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ነዚ መሰረት ገይሩ ዝሰናደውዎ ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቲ ሓዋርያዊ መዋቕር ሓርፋፍ ሰነድ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ክሳብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ተጠናቒቑ ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክርከብ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣተኵሮ ኣብ ወንጌላዊ ልኡኽነትም ምኽኽርን

ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ወንጌላዊ ልኡክነት ኣብ ዝብል ምልዋጥ ዘተኰረን ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብቅዱስ ኣቦና ዝተገልጸ ወንጌላውነትን ልኡክነትን ዝብል ምዕዶ ዘማእከለ ሓዋርያዊ መዋቕር ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሰመራሮ ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ዘሎ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ኣበስሩ ዝብል ኢይሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎ ቃል ዘቃልሕ እዩ፡ ብዙሕ ምኽክርን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዝተገበረሉ ምዃኑን ውሳኔን ምጻድቕን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓላፍነት እዩ ኢሎም።

ዝህቦ/ዘቕርቦ መልስታት

መላእ ኵርያ ሮማና ሓሳብን ርእዮትን ዝሃብሉን ዘቕረብዎ ሓሳብ ግምት ዝሃበን እዩ፡ እቲ ጉጅለ ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብጠቕላላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝሓቕፎም ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ካብ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣባይቲ ክርስቲያን ጳጳሳውያን ሲኖዶስን ገለ ገለ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ካብ ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕን ዝቐረቡ ርእይቶ ኣአንጊዱን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣባና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርትታት ተመርኵይዙ ህልው ኩነታት ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ግምት ሂቡ ዝተሓንጸጾ ሓርፋፍ ሓዋርያዊ መዋቕር ምዃኑ ኣብ ዝህባዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዅሉ ጽፍሕታቱ ሲኖዶሳውነትን ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ዘተባብዕ ቅዋም ክኸውን እንከሎ፥ ብቕዓት ብዘለዎ ኣገባብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መርሕነት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍ ዝኣመተ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕማም ኣብቲ ዝሕተም ሓዋርያዊ መዋቕር ዝሃልኽ ወይ ውን ውዱእ ከምዘይከውን ምስትውዓል የድሊ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ካዲናላት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን፡ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን፡ ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ብፁዕ ካርዲናል ሰይን ፓትሪክ ኦማለይን፡ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ናይቲ ጉባኤ መማክርት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ከምዝዀኑ ክፍለጥ እንከሎ ቀጻሊ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 17 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካርዲናላት ውሳኔ
28 June 2019, 18:01