ድለ

በነዲክቶስ መበል 16፥ ር.ሊ.ጳ. ሓደ እዮም፡ ፍራንቸስኮ፡ ሓድነት ካብ ምግምማዕ ይብርትዕ በነዲክቶስ መበል 16፥ ር.ሊ.ጳ. ሓደ እዮም፡ ፍራንቸስኮ፡ ሓድነት ካብ ምግምማዕ ይብርትዕ 

በነዲክቶስ መበል 16፥ ር.ሊ.ጳ. ሓደ እዮም፡ ፍራንቸስኮ፡ ሓድነት ካብ ምግምማዕ ይብርትዕ

ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ እዩ፡ ሎሚ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይንበር ኣሎ፡ ብዘይ ቅድመ ኵነት ምሉእ ተኣዝዞን ኣኽብሮትን

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ብብዙሕ ውሽጣዊ ምስሕሓባትን ምግምማዕን ዝተሓልፈ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ወትሩ ሓድነት ተዓዋቲ እዩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ወትሩ ኣብ ሓደጋ እዩ፡ እዚ ካብ ጥንቲ ዝነበረን ዘሎን ፈተና፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ምልኩት ኩነት ውግኣትን ውሽጣዊ ምስሕሓባትን፡ ምድፍፋእን ንጽገትን ስግኣት ምግምማዕን፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ምወዳእታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀልብን ኣስተውዕሎን ዓቢይ ብምዃኑ ኣብ ሓድነት ትቕጽል፡ ሓድነታ ካብቲ ኣብ ውሽጣ ዝፍጠሩ ምስሕሓባትን ተጻብኦነትን ኣዚዩ ይሕይል ዝበሉ በነዲክቶስ መበል 16 ር.ሊ.ጳጳስ ሓደ እዮም፡ ንሱ ኸኣ ፍራንቸስኮ፡ ስለዚህ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ጽንኩር እዋን ክርስቲያን ኣብ ማህበራውያን ኣደባባይ ተገማሚዑ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍካሬታት ንረብሓኦም ከከም ዘድልዮም እናተወከሱ ንሓሳቦም መጠቐሚ ክገብርዎ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ኣብቲ ምስ ናይ ኢጣሊያ ኮረረ ደላ ሰራ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት ነዚ ሓሳብ መልሲ ክህቡ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳጳስ ሓደ እዮም ንሶም ከኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንክብሉ ከምዘብርሁ ኣብቲ ናይ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ጋዜጣ ሕትመት ይንበብ።

ሓድነት ኣብ ብዙሑነት

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ንምሕያል ዝገብርዎ ጻዕሪ ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ክለቁ ኣንከለዉ ኣብ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ዘስምሩሉን ካቶሊካዊ ሱታፌ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ እውን ብምቅላሕ ብፍላይ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ንጉባኤ ካርዲናላት ብገዛእ ፍቓደይ ዘለኒ ዓቕሚ ምስ እዋናዊ ኩነት ዓለም ብምንጽጻር ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣነይ ኣብ ኢድ ቤተ ክርስቲያን እረክብ ቢሎም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ ኵላዊት ቤት ክርስቲያን ኵላውነታ ሓድነታ ኣብ ብዙሕነት ዝንበር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብዚ ሓድነት ቤተ ክርስትያንን መላእ ዘርኢ ሰብ ነገልግል ቢሎም፡ ኣብ መንጐዅም ብፁዓን ካርዲናላት እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ብድሕረይ ዝሕረዩ ኣለዉ፡ ነቲ ዝምረጽ ር.ሊ.ጳ. ብዘይ ቅድመ ኵነት ምሉእ ተኣዝዞን ኣኽብሮትን ዝበልዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ እዩ፡ ሎሚ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይንበር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

በነዲክቶስ መበል 16፥ ር.ሊ.ጳ. ሓደ እዮም፡ ፍራንቸስኮ፡ ሓድነት ካብ ምግምማዕ ይብርትዕ
29 June 2019, 15:51