ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ንናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ ነባሪ መፍትሒ ምኽዋን ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ንናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ ነባሪ መፍትሒ ምኽዋን 

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ንናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ ነባሪ መፍትሒ ምኽዋን

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወኪል ትካል ሓልዮ ንስደተይናታትን ተመዛበትን ፍልስጥኤማውያን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ነቶም ተመዛበልቲ ናይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ድጋፍን ኣብ ምቕራብ

ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ፍስልጥኤም ተመዛበልቲ ጉዳይ ንዝሓልይ ማሕበር ለጋሳት ሃገራት ኣሳቲፉ ዕለት 25 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መእለዪ ስደተይናታት ማእከል ንዝርከቡ ሕጻናት ፍልስጥኤማውያን ድጋፍ ዝውዕል 40 ሺሕ ዶላር ክትልግስ ምዃና ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ፍልስጥኤም ተመዛበልቲ ዝሓልይ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወኪል ትካል ለጋሳት ሃገራት ንናይ ፍልስጥኤም ተመዛበልቲ ስለ ዘቕርቦ ድጋፍ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመስጊኖም፡ እቲ ወኪል ትካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም መሰረታውን መባእታውን ናይ ሰብኣዊ ድላይ፡ ካብ መደብ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት መውሃብን መንበሪ ኣባይቲ ምሕናጽን ዝብሉ ብምቕራብ ዘካይዶ ግብረ ሰናይ ዝምስገን እዩ ከምዝበሉን፡

ናይ መንእሰያት መጻኢ

ናይ ፍልስጥኤም ስደተይናታት ሽግራት ሓንሳብ ንሓዋሩ ብቕልጡፍ መፍትሒ ንኽረክብ ዝግበር ጻዕሪ ዝሕብር ምልክታ ከምዘየሎን፡ ስለዚህ ዘሎ ብፍላይ ንመንእሰያት ዝምልከት ጉድለት ደረት ትርኢት ነቲ ናይቲ ከባቢ ጸጥታን ደሕንነትን ናብ ዝኸፍኤ ከንቆልቁል ዝድርኽ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ከምዝኽእል ሓቢሮም፡ ምእንቲ’ዚ ብዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጥኤማውያን ዘቕርብኦ ድጋፍ ጭቡጥ ምዃኑ ንምምስካርን ነቶም ኣብ መእለዪ ስደተይናታት ንዝርከብ ሕጻናት ፍልስጥኤማውያን ዝምልከት ናይ ድጋፍ መደባት መሳለጢ ዝውዕል ልዙብ ናይ 40 ሺሕ ዶላር ድጋፍ ብምቕራብ ነቶም ስደተይናታት ዝሓልይ መደብ ድጋፍ ንምርግጋጽ ኣብ ዝከየድ ጻዕሪ ብዘይ ምቁራጽ ተዋሳኢት ምዃና ትምስክር ኢሎም።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ክብገስ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወኪል ትካል ሓልዮ ንስደተይናታትን ተመዛበትን ፍልስጥኤማውያን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ነቶም ተመዛበልቲ ናይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ድጋፍን ኣብ ምቕራብ ንዘካይድኦ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ በሸሓት ንዝቑጸሩ ፍልስጥኤማውያን ናይ ወጻኢ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን ክንክን ጥዕና ተመዛበልቲ ውሑስ ንምግባርን ብፍላይ ኣብ ቤተ ልሄም ዝርከብ ቤት ሕክምና ምሉእ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዝኽእል ክኽውን መታን ገንዘብ ናይ ምውጻእ ጓስጓስ ክካየድ ምስ ሓተቱ ቅድስቲ መንበር ይቐልጥፍ ይደንጉይ ነቲ ዘለዎዎ ህልው ኩነታት ግምት ብምሃብ ነባርን ምዕሩይን መፍትሒ መታን ክርከቦ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ብሰላምን ጸጥታን ኣብ ውሑስ ደሕንነት ንኽነብሩ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ዘተ ምብጋስን ወሳኒ ምዃኑ ተተሓሳስብ እንክብሉ ዘረባኦም ኣጠቓሊሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ንናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ ነባሪ መፍትሒ ምኽዋን
27 June 2019, 17:19