ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብ ጐደና ሕውነት ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብ ጐደና ሕውነት 

ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብ ጐደና ሕውነት

እቲ መልእኽቲ ቅድስቲ መንበር፥ ኣንሕና ኣህዋትን ኣሓትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ንኻልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክፉታት ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና

ከምቲ ልሙድ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ናይ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጾም ራማዳን ናይ ሰናይ ምጅማር ጾም መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈን ኣብቲ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ድንቁርናን ፍርሕን ዝወልዶ ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ናጽነትን እምነትን ዝግህስ ተግባር ኵሉ ብዘተን ምክብባርን ዝሰዓር ምዃኑ ብምምልካት፡ ተኸኣኢልካ ምንባር ንበይኑ እዅሉ ኣይኰነት ስለዚህ እውነተይናን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውስሕ ምግባር ወሳኒ እዩ ከምዝበለ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ፍርሕን ድንቁርናን መሰረት ገይሩ ንዝቖመን ዝቐውምን ፈላላይ መናድቕ ዝእለይ ብዝቐውም ናይ ሕውነት ድልድል ምዃኑ ዘመላኸተ መልእኽቲ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ፥ ንማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ተመንዩ፡ እዚ ኣብ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ዘማእከለ መንፈሳውነት ዝንበረሉ እዋን ዝተባርከ ክኸውን ናይ ርሑስ ምጅማር ጾም ምንዮቱ ከምዘለጸን

ናይ ዘተ ሰለስተ ጐደናታት

እቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥  ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ መሰረት ገይሩ፥ ሰብኣዊ ሕይውነት ንምንቕቓሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምኽባር መንነትን ካልእነትን ናይ ምቕባልን ምኽባርን ትብዓትን ቅኑዕ ውጥንን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሰናይ ርክብ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን ንሰላማዊ ማሕበረሰብ ሕንጸት ወሳኒ ምዃኑ የዘኻኽር።

ኣሕዋትን ኣሓትን

እቲ መልእኽቲ ቅድስቲ መንበር፥ ኣንሕና ኣህዋትን ኣሓትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ንኻልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክፉታት ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና ዝብል ሓሳብ ብምቕላሕ፡ በዚ መንፈስ እዚ እቲ ብድንቁርናን ፍርሕን ምኽንያት ዝሕነጽ ፈላላይ መንደቕ ክእለን ብሓባር እቲ ንናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ናይ ሓባር ጥቕሚ መሰረት ዝዀነ ናይ ምሕዝነት ድልድይ ንሕነጽ እንክብል ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡ ዓመጽ ዝወግድ ሓድሽ ዓይነት ሰብኣውነት ዘማእከለ ምንባር ዝምስከረሉ ዓለም ምስ ዝሕነጽ እዩ ከምዝበለ ኣፍሊጦም።

ካብ ምክእኣል ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ይዓብይ

ናይ ዘተ ባህሊ ንምትሕብባርን ንሕድሕዳዊ ምልላይን መሰረት ከምዝዀነን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሕይወት ናጽነትን ኵለንተናዊ ዕብየትን ምንቕቓሕ ዝድርኽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ፡ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ክኽበር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኵለን ሃይማኖታት ቀንዲ ተዋሳእንቲ ክዀና ምርጫኤን ዘይኰነስ ዕላማኤን ምዃኑ ዘኪረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ማሕበራውን በርገሳውን ሓላፍነት ክምዕብልን እዚ ኸኣ ተኸኣኢልካም ንምባር ዘይኰነስ ንእውነተይና ሰላማውን ናይ ሓባር ናብራ ምሕናጽ ዝብል ሓላፍነት ምዃኑ ኣነጺሩ፡ ንእውነተይናን ሰላማውን ናይ ሓባር ናብራ ንትጋህ ዝብል ጻውዒት ከምዘቕረበ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም። 

ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብ ጐደና ሕውነት
11 May 2019, 16:23