ር.ሊ.ጳ. መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ሓሴት ሕጻናትን ር.ሊ.ጳ. መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ሓሴት ሕጻናትን 

ር.ሊ.ጳ. መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ሓሴት ሕጻናትን

ቅዱስ ኣቦና፡ ቆሞስ ካህን ጓሳ እቲ እዚዩ ደስ ዘብሎም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ ምስ ሕዝቢ ምርኻብ፡ ምስ ምዕመናን ምርኻብን ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃን ዝፈትዉ

ስነ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ን 245 ሕጻናት ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ መበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ቡልጋርያ ከተማ ራኮቭስኪ፡ እዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ መገሻታት ፍልዩ ስፍራ ዘለዎ ታሪኽ ይኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ካብ መላእ ቡልጋርያ ሰበኻታት ንዝተዋጽኡ ለምዘበን ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ንኽቕበሉ ዝተሰናደዉ ስነ ስርዓት ምቕባል ናይ መጀመርያ ቅዱስ ቁርባን ድሮ ተሰናድዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታቶም ክቕበሉ ዝብል መደብ ዝነበረ እውን እንተዀነ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ነቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም እቶም ኩሎም ናይ መጀመርያ ቅዱስ ቁርባን ዝቕበሉ ብሓባር ኰይኖም ብቕዱስነቶም ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ከተማ ራኮቭስኪ ክቕበሉ ተገብረ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ወግዓዊ ተባሂሉ ተዳልዩ ኣብ ዝነበረ መርሓ ፍጻሜታቶም ዘይነበረ  እዩ፡ ነቶም ሕጻናትን ወለዳቶምን ዓቢይ ሓሴት እዩ፡ ብዓቢይ ኢየሱስ ስለ ዝተቐበሉ ክኸውን እንከሎ፡ ብናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕባሎም ሓጐሶም ድርብ ኰነ።

ቅዱስ ኣቦና፡ ቆሞስ ካህን ጓሳ እቲ እዚዩ ደስ ዘብሎም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ ምስ ሕዝቢ ምርኻብ፡ ምስ ምዕመናን ምርኻብን ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃን ዝፈትዉ ብምዃኖም ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምድላዮም ይምስክሮ፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ፥ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ዝብል ናይ ዕድመ ገደብ ክትሕት ከምዝገበሩን፡ እዚ ድላይ’ዚ ጸጋ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ንኹሉ ከምዝዀነን፡ እቲ ዘድሊ ምእንቲ ድሕነትና ዝፍተት ህዝብስት ዝፈስስ ደምን ካብቲ ተራ እንጌራን ወይንን ዝተፈልየ ምዃኑ ምፍላጥን ብእምነት ምዕሟቕን እዅል እዩ ከምዝበሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ታሪኽ ጠቒሶም የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ንኣካለ ስንኵላን ሕጻናት ተቐቢሎም ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ፒዩስ ዓስራይ ምዃኑ እዩ፡ ቅዱስ ቁርባን ንዕሸላት ክወሃብ ኣለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዳርጋ ዕንቅፋት ተገይሩ ከምእተሓሰበ ቶርኒየሊ ሓቢሮም፡ ሕጻን ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምስትውዓልም ብቕዓት ኣለዎ ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ራኮቭስኪ ነቶም 245 ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ክሰርዑ ዝነበርዎ ሓጐስ ፍሉይ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ሕጻናት ንቕድሚት ክቐርቡ ጸዊዖምን ምስኣም ሓቢሮም፡ ዝነበርዎን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ንነፍሲ ወከፍና እግዚኣብሔር ኣቦና፡ ኢየሱስ ሓውና ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤትና ኣንሕና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ መንነት ኣሎና፡ ሕግና ፍቕሪ፡ መጸውዕ ስምና ወይ ሽም ኣቦና ክርስቲያን ዝብል እዩ፡ እዚ በዓል እዚ ዝከኣል ንዝገብሩ ወለድታናን ኣቦ ሓጐታትና ኣደ ሓጐታትናን ስድራ ቤትናን ማሕበረሰብናን ኣብ እምነት ንኽንዓብይ ስለ ዝገበሩና ምስጋና ይዅኖም ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣዘኻኺሮም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ር.ሊ.ጳ. መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ሓሴት ሕጻናትን
09 May 2019, 16:54