ድለ

ፓሮሊን፡ ምስ ቻይና እወታዊ ኣገባብ ኣብ ምብጋስ ንርከብ ፓሮሊን፡ ምስ ቻይና እወታዊ ኣገባብ ኣብ ምብጋስ ንርከብ 

ፓሮሊን፡ ምስ ቻይና እወታዊ ኣገባብ ኣብ ምብጋስ ንርከብ

ዝኽወን፡ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ዓለም ዘሎ እዋናዊ ጸገም ብሓባራዊ ሓላፍነት ክረአይ ከምዘለወን ዝብል ሓባራዊ ምስትውዓል ኣሎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ግሎባል ታይምስ እተሰምየ ብእንግሊዘይና ቋንቋ ምስ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ፡ ብዛዕባ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ጭቡጥ ዝዀነ ሰጓሚ ውጽኢት ከዕትር ዝብል ተስፋ ዝተነብሮ ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበን ቻይናን ዘሎ ርክብ ለምዘበን ዝተበዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ብሁባሬ ምብዓላን ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕርሻ ባህሊ ዓውደ ምርኢት ሱታፌ ቅድስቲ መንበርን ዝጠቐሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ናይ ቻይና ግሎባል ታይምስ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናታት ፍራቸስኮን ሲሺን ዛንግ ዩ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡

ናይቲ ክሌኣዊ ስምምዕ ትርጉሙን ትግባሬኡን

እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ዛዕባ ስሜት ጳጳሳት፡ ብኽልቲኡ ወገን ናይ ነዊሕ ከይዲ ዘተ መባጼሕ ምዃኑን ብፍላይ እዚ ዝምምዕ መበገሲ ነጥቢ ምዃኑ ምስትውዓል ከምዘሎን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምትእምማን ምህላዉን ሓድሽ ንዝበለጸ ንቻይናውያን ካቶሊክ ምእመን ሰናይን ንመላእ ሕዝቢ ቻይና ስኒት ክህሉ ዝድርኽ ምትሕብባር በሪ እዩ፡ ስለዚህ እወንታውን ጭቡጥን ውጽኢት ዘዕትር ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ተበጊሱ ከምዘብሎ ምስ ገለጹ ናይቲ ዘተ እውነተይና ባህርይኡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘነቓቕሕዎን ዘተሓሳስብዎን ከይዲ ዘተ ምዃኑ ይሕብሩ።

ተቓወምቲ ኣብ ዘተ

እቲ ክሌኣዊ ስምምዕ ከምዘሎ ኰይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ስምምዕ በዓል ቤት ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ተቓውሞ ዘለዓዓለ ይመስል፡ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ንዝብል ሕቶ ብፁዕነቶም ክምልሱ፡ እቲ ክሌኣዊ ስምምዕ ሰፊሕ ዓውዲ እዩ፡ ስለዚህ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ክህሉ ንቡር እዩ፡ እቲ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ንምርኻብ እዩ ዘተ ዝካየድ፡ ድሕሪ ነዊሕ ምንጽጻር ኣብ ከምዚ ዓይነት ግዚያዊ ስምምዕ ክብጻሕ እወታዊ እዩ፡ እቲ ሚዛን ክኸውን ዘለዎ ንሱ እዩ፡ ዝዀነ ስምምዕ ዝቃወሞ ክህሉ ዝከኣል እዩ፡ ነዚ ምኽባርን ክርስቲያናዊ ርድኢትን ኣተኵሮን ምክብባርን ክወሃቦ ግድን እዩ፡ ብርግጽ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ንዅሉ መልሲ ዝሃበ እውን እንተዘይኰነ፡ ነባሪ ስምምዕ ንምድላይ ንዝግበር ጻዕሪ ኣንፍፈት እዩ። ብመንጽር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተበገሰ እዩ፡ ከምዚ ክኸውን ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና መርሕነት ይሕብሮ።

ናይቲ ዘተ ውጽኢት

እቲ ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ክንየው ዘማዕደዎ ውጽኢት ዘዕትር ክኸውን ተስፋ ዝተነብሮ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ኣይኰነን፡ ደረጃ ብደረጃ ዝኽወን፡ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ዓለም ዘሎ እዋናዊ ጸገም ብሓባራዊ ሓላፍነት ክረአይ ከምዘለዎ ምስትውዓል ኣሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ዝዀኑ ጸገማ ዓለም ለኻዊ መልሲ ክወሃቦ መታን፡ ስለዚህ ካቶሊካውነት ንገዛእ ርእሱ ዓለም ለኻዊ እዩ፡ ስለዚህ ዝህቦ ሓሳብ ኵላዊ እዩ፡ ዓለም ለኻዊ መፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓለፋ ክህልዋ ዝገብራ ባህርይ ኣለዋ ክበሃል ይከኣል። ዓለም ለኻዊ ሕውነት ንኽንበር ትድርኽ። ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን ክምዝገለጽዎ፡ ቻይናውያን ካቶሊክ ምእመናን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጽንቡራት ንኽዀኑ ዝሓቱ ምዃኖም ይፍለጥ። ቻይናዊ ናይ ምዃን ጸጋ ኣብ ኵላዊት ቤተክርስቲያን ዝዋሳእ እዩ፡ ክም ናይ ኵለን ሃገራት ዜጋታት ይብሉ።

ወንጌል ኣብ ባህሊ (ብህልውነት)ን ምችይናውን

ወንጌል ኣብ ባህሊ ንኽሰርጽ ዝግበር ከይዲ ብህልውነትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምችይናው፡ ወንጌል ንምስፋሕ ዝሓቶ ኣቕዋም እዩ፡ ስለዚህ ወንጌል ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ዓለም ክሰፍሕ ኣብቲ ዝስበኸሉ ባህሊ ከሰርጽ ምግባር ግንድ ይኸውን፡ እዚ ንናይ ወንጌል ኵለንተናውነትን ምሉእነቱን ዝትንክፍ ኣይኰነን፡ ንኣብነት ኣባ ማተዮ ሪቺ ኣብ ቻይና ልኡከ ወንጌል ከይኖም ዘገልገሉ ናይዚ ኣብነት እዮም። ምስክር ሰብኣዊ ሕውነትን ክርስቲያናዊ ፍቕርን እዩ፡ ናይዚ ቀንደይና ተዋሳእቲ ካቶሊካውያን ቻይና እዮም። ክርስትናን ዕርቅን እውነተይና ቻይናውነትን ምሉእ ካቶሊካውነትን ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ነቶም ካቶሊክ ዝዀኑ።

ኣብ ናይ ሓባር ባይታ ብሓባር ዝግጠም ሓባራዊ ብድሆ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ዝተሓባበራሉ ባይቲ እንታይ እዩ ንዝብል ካብቶም ጋዜጠይናታትን ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ህብረ ብድሆታት ኣለዉ፡ ብባህርእዮም እቶም ብድሆታት ከም መቕድም ምትሕብባር ዝብል ሓሳብ ዘንብሩ እያቶም፡ ስለዚህ ብዛዕባ ሰላምን ድኽነትን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ጸኣት ስደአይናታትን ናይ ስነ ምርምር ምዕባለ ዝምልከት ስነ ምግባርን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ሕዝብታትን ዝብሉ ጠቒሶም የረድኡ፡ ናይዚ ኵሉ ማእከል ክኸውን ዘለዎ ሰብኣዊ ክብርን፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘጠቓልል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ምኽባር ዝነቕል፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኵሉ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ነዚ ተቓልሕ፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምንቕቓሕ ስለ እትጥምት።

መልእኽቲ ንናይ  ፖለቲካ ኣካላት

ህልው ኩነታት ዓለም መሰረት እቶም ጋዜጠይናታት ቅዱስቲ መንበር ንዓለም ናይ ፖለቲካ ኣካላት እተቕብሮ ኣዋዒት ኣንተለዋ እንክብሉ ንዘቕረቡሎም ሕቶ፡ ክምልሱ፡ ሎሚ ካብ ቀደም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ንዓብይ ሓላፍነት ዝተጸውዑ እያቶም፡ ኣብ ከባብያዊ ዝኽሰት ብሔራዊ ጥራሕ ዘይኰነ ክፍለ ዓለማውን ዓለም ሓቆፋዊ ጽልዋ ኣለዎ፡ ስለዚህ ነዚ ግምት ብምሃብ፡ ዘለዎም ሓላፍነት ካሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ተስተውዕል። ኵላትና ሓድሕዳዊ ተማራዃስነት ዘሎና ኢና፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ናይ ሓደ ውሳኔ ኣብ ሕይወትን ኣተሓሳስባን ጽልዋ ኣለዎ። … ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 52 ናይ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም.  ዘመሓላለፍዎ፡  ኣርእስቱ፥ ቅኑዕ ፖለቲካ ነገልግሎት ሰላም ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ኵሎም ዓበይትን ንኡስን ናይ ፖለቲካ ስልጣን ዘለዎም ኣገልግሎቶም ንሰላም ምዃኑ የነጽሩ።

ኣብቲ ከይዲ ናብ ክሌኣዊ ስምምዕ ተዘክሮ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ነዊሕ ከይዲ ናብ ክሌኣዊ ስምምዕ ምስ ናይ ቻይና መንግስቲ ኣብ ዝተገብረ ዘተ ዝነበርዎ ተመክሮ እንታይ ይመስል ንዝብል ካብቶም ጋዜጥያታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡ ብሓቂ ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ርክብ ንኽነብርን ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ዕድል ምርካበይ ጸጋ እዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ንእግዚኣብሔር አመስግን፡ ብርግጽ ዘተሓሳስብን ምጥርጣር ክስምዓካ ዝገብር ኵነት እውን ነይሩ እዩ፡ ብፍላይ ኣብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝተበገሰ ዘተ ኣብ ውጽኢት ኣብ ዘይብጽሓሉ እዋን ዝስምዓና ዝነበረ ኵነት እዩ፡ ኰይኑ ግና ካብ ክልቲኦም ተዛተይቲ ወገን ጽቡቕ ድላይ ስለ ዝመዘነ፡ ከይተቛረጸ ክቕጽል ተገይሩ ኣብቲ ዝብጻሕ ስምምዕ ግዚያዊ እውን እንተዀ ንኽብጻሕ ሓጊዙ እዩ፡።

ዘይርኣዕ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ልኡካን ቻይናውያን ኣብ ኣሲዚ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብቲ ፍራንቸስካዊ ቅዱስ ስፍራ፡ ብሓቂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተጋባእያን ኣብቲ ዘተ ምርግጋእን ሰላምን ፈጢሩ እዩ፡ ብፍላይ ናብ ተስፋ ከነማዕድው ገይሩ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ብተግባር እትርእየሉ ኣዋን እዩ ዝነበረ፡ ኵለንተናዊ ሕውነት ዘረጋገጸ ዝተባርከ እዋን።

መልእኽቲ ንቻይናውያንን ንዝመርሕዎምን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንመራሕትን ንህዝብን ቻይና ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምንታን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፡ ብፍላይ ካቶሊካውያን ቻይና ናይ ሓድነትን ዕርቅን ኣብ ሓድሽ ከይዲ ኣስፍሆተ ወንጌል ብትብዓት ክጓዓዙን ናይ ሓድነት ተንተንቲ ኰይኖም ክርከቡ ጻውዒት ከምዘቕርቡ እውን ሓቢሮም። ቅዱስ ኣቦና ንቻይና ዓቢይ ሃገር ከምዝዀነትን ብስፍሓትን ምዕባለን ጥራሕ ዘኰነ ዓቢይ ብታሪኽን ጥበብን ሃብታም ዝዀነ ባህሊ ዘለዋ እንክብሉ ከምዝገልጽዋን። ኣብ መንጐ ሃገራት ግልጽነት ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ርክብን ክህሉን፡ ቻይና ኣብዚ ከይዲ’ዚ ትግህቲ ክትከውንን በዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር ንምስራሕን ንምቅርራብን ውሑስን ምዕቡልን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ቀንደይና ተዋሳኢት ንኽትኸውን ጽውዒት ኣቕሪቦም፡ ብሕብረትን ውህደትን ጥራሕ እዩ እቲ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት እንስዕሮ፡ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃንን ሰብኣዊ ሕውነት ምንቕቓሕን ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፓሮሊን፡ ምስ ቻይና እወታዊ ኣገባብ ኣብ ምብጋስ ንርከብ
14 May 2019, 16:47