ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ጸረ ሕንዚ ሓድሽ ህዝብነት ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ጸረ ሕንዚ ሓድሽ ህዝብነት 

ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ጸረ ሕንዚ ሓድሽ ህዝብነት

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝውለዱ ዘለዉ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ብቐረባ ብምስትውዓልን ብምትንታንን ሳዕቤናቱ እውን የመላኽት

ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ ዕለት 3 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምሁራትን ሊቃውንትን ኣሳቲፉ ሓደጋን ስግኣትን ልኡላዊንተይናውነትን ብሔርተይናውነትን ብሰፊሕ ዝትንትን  ብሔርን ሃገርን፥ ሃገረ መንግስትን ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይካየድ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ መሰረታዊ ዕላማ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ዝኣመሰሉ ሰለይ ኣናበለ ሕዝብን ሃገርን ዝነዝሕ ዘሎ ስርዓተ ኣመለኻኽታ ጐዳኢ ምዃኑ ንምሕባር ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 2 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባኣያን ቃለ ምዕዳን ከምእተለገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ብሔራዊ መንነት ኣይትነጽግን

ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ስተፋኖ ዛማኚ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቤተ ክርስቲያን ጦብላሕታ ብሔራዊ መንነት ኣይትነጽግን፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ እወታዊ ዝዀነ ጦብላሕታዊ ብሔራዊ መንነት ናብ ብሔርተይናውነት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ምስ ዝቕየር ትነጽጐን ዘስዕቦ ጸገም ፈልያ ተመላኽትን። በዚ ምኽንያት’ዚ ብሔር ወይ ሃገራውነት ዝብል ኣምር ምስቲ እዋናዊ ዓውሎማውነትን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ዘሎ ተመራዃስነትን ግምት ምስ ዝህብ ምዕቡል ስርዓት ዴሞክራሲ ተላዛቢ ምዃኑ መርትዖ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዋ። እዚ ንምርዳእ እንተድኣ ዘይተኻእለ ግና ብሔርተይናውነትን ልኡላውንተይናውነትን ክዕብልልን ናጽነት ክዕፍንን መላእ ኤኮኖሚ ከዕንውን ምፍቃድ ማለት እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ንሓሽስ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ምጥንቃቕ የድሊ

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝውለዱ ዘለዉ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ብቐረባ ብምስትውዓልን ብምትንታንን ሳዕቤናቱ እውን የመላኽት፡ ስለዚህ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዝኽሰት ዘሎ ሓድሽ ከይድን ምርጫታትን ካበይን ናበይን ብጥልቂ ብምጽናዕ ሳዕቤናቱ እውን ብዓንተውኡ ይሕብር፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ርትዓዊ መብርሂ ዘቕርብ ከምዝዀነን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረጋገጽ ዘሎ ዓውሎማውነት ብኣሉታዊ ምርኣይን ኢምኽንያታዊ ገርካ ምቕራብን ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ኢማዕርነትን ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ምኽንያት ብምግባር ዝፍጠር ዘሎ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ዝገደደ ዓቢ ስግኣትን ሓደጋን እዩ፡ ስለዚህ ዓውሎማውነት ሰብኣዊ ዘማእከለ ምግባር እዩ መፍትሒኡ እምበር በንጻሩ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ምቛም ኣይኰነን፡ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ነቲ ዘሎ ጸገም ዘብእስ እምበር መፍትሒ ከምዘይኰነ እቲ ዓውደ ጉባኤ ሰፊሕ ትንታነ ዘቕርብ እዩ ኢሎም።

ኤውሮጳ ናይ ሓድሽ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ቤተ ሙከራ ትኸውን ኣላ

ፕሮፈሰር ዛማኚ ይብሉ፡ ኤውሮጳ ናይ ሓደሽ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ቤተ ሙከራ ኰይና ኣላ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳይ ብሰፊሕ ዝረኣይ ዘሎ ዝንባለ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ፖላንድን ሃንጋርን ብጠቕላላ ኣብተን ነበር ሃገራት ሶቪየት ሕብረት ዝነበራ ሃገራት ማእከላይ ኤውሮጳን ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ብሔርተይናውነት  ልኡላዊንተይናውነትን ምስ ዝድመሮ እዩ እቲ ዓቢይ ሓደገይና ዝዀነን ኣዚዩ ዘሰክፍ ጸገም ዝተኣታተው፡ ስለዚህ ድማ ፖለቲካዊ ስልጣን እቲ ናይ በርገሳዊ ሕዝቢ መግለጺ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን እውን እትርከቦ ኣብ መንጐ ወይ ኣራኻቢ ኣካልን ንዝበሃል በርገሳዊ ስልጣን ዘብርስ ክይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ ኢሎም።

ፍቕሪ ኣብ ሓቂ  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ምሃብ ወሳኒ እዩ

ሓድሽ መጽጓዕ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ንምግጣምን ንምብዳህን ኣብታ ኣብ 2009 ዓም. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዋ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዓቢይ ግምት ምሃብ የድሊ፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እቲ ንሓድሽ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ባይታ ዝፈጠረ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ክስተት ንጽባሒቱ ንንባ ዝበቕዔት ምዃና እውን ፕሮፈሰር ዛማኚ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ብዝሓ ስርዓት ዝብል ሓሳብ ይትንትን፡ እዚ ኸኣ ናይ ስልጣን ማእከል ብዙህነት መልክዕ ክህልዎ ማለት ኣብ ሓደ ውናኖ ዘይዕሞኽ ስልጣን ዓቢይ መፍትሒ ምዃኑ የብርህ፡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘመላኽቶ መፍትሒ ኣብቲ እዋን ብናይ ፖለቲካ ውድባት ወገን ብዙሕ ግምት ዘይረኸበ እዩ ዝነበረ ሎሚ ከም ትማሊ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓሳብ’ዚ ተቕርብ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን ስልጣን ብኣሃዳዊ ኢድ ከይዕተር በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕርብዎ ሓሳብ ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጸገም ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ጸረ ሕንዚ ንሓድሽ ህዝብነት

 

02 May 2019, 17:53