ስነ ጥበብ ቻይና ካብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ንዓውደ ምርኢት ኣብ ፐኪንግ ስነ ጥበብ ቻይና ካብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ንዓውደ ምርኢት ኣብ ፐኪንግ 

ስነ ጥበብ ቻይና ካብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ንዓውደ ምርኢት ኣብ ፐኪንግ

ቻይናውያን ናይ ስእልን ስነ ቅብእን ክኢላታት ርክብ ናይ ቻይና ባህልን እምነት ክርስትናን ዝትርኽ ብቅብእን ኣሳእልን ዘቕረብዎ ናይ ስነ ጥበብ ስራሕ ዝቐርበሉ ዓውደ ምርኢት

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝንብረቱ ናይ ቻይናን ቡድሃን ከምኡ እውን ናይ ካቶሊክ ኣምነት ኣብ ቻይና ዘዘንትው ናይ ስነ ጥበብ ቅብእን ንድፍን ኣሳእልን ካብ ዕለት 28 ግንቦት ክሳብ ዕለት 14 ሰነ 2019 ዓ.ም. ፐኪንግ ኣብ ዝርከብ ክልክልቲ ከተማ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ሕንጻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ንፈለማ ግዜ ንዓውደ ምርኢት ክቐርብ እዩ፡ እዚ ጽባቔ የሕብረና ቻይናዊ ብልሓተ ጥበብ መግለጺ ኣሳእል ካብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ናይ ዓበይቲ ዕሴታት መግለጺ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ከምዝዀነ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ካብ ዝንብረቱ ክፍሊ ስነ ጥበብን ባህልን ቻይናዊ መግለጺ ቅርስታት ኣሳእል ንድፍታትን ኣብ ቻይና ንምርኢት ከቕርብ ንፈለማ ግዜ ክኽውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ቻይና ጥንታዊ ጥበብ ዝምስክር ናይታ ሃገርን ሕዝብን ልዑላን እሴታት ዝምስክር ትእምርቲ ምዃኑ ናይቲ ምርኢት ዋና ኣወሃሃድቲ ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ክፍሊ ናይ ተፈጥሮ መንፈስ ሓላፊ ኣባ ኒኮላ ማፐሊን ኣብ ፐኪንግ ክልክትልቲ ከተማ ኣብ እተሰምየ ሕንጻ ቤተ መዘክር ናይ ክፍሊ ሕይወትን ክፍሊ ስርዓታት ንግስናን ሓላፊ ዋንግ ዩወጎንግ ከምዝዀኑ ካብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ናብ ቻይና ዝብል ባህላዊ መልእኽቲ

ናይዚ ምርኢት ቀንዲ ዕላማ ናይ ቻይና ቡድሃዊ ሃይማኖትን ሕዝባውያንን ካቶሊካውን ቅርስታት ስነ ቅብእን ኣሳእልን ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ዝርከብ ናብ ቻይና ዘመሓላልፎ ባህላዊ መልእኽቲ ንምብጻሕ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዓቢይን ኣገዳስን ምርኢት ምዃኑ እውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ስነ ጥበባዊ ዓውደ ምርኢት ኣብ ክልክልቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ ምርኢት ሕንጻ  ዝቐርብ ምዃኑ ዝምስክሮ እዩ።

ንናይ ቻይና ባህሊ ዝተራኸበ ክርስትና

ቻይናውያን ናይ ስእልን ስነ ቅብእን ክኢላታት ርክብ ናይ ቻይና ባህልን እምነት ክርስትናን ዝትርኽ ብቅብእን ኣሳእልን ዘቕረብዎ ናይ ስነ ጥበብ ስራሕ ዝቐርበሉ ዓውደ ምርኢት ከምዝዀነን፡ ብፍላይ ምስዳድ ናብ ምስሪ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ዝገልጽ ኣብ 1570 ክሳብ 1573 ኣብ ዘሎ ዓመታት ብባሮቺ ብቅብኣ ሕብሪ ዘይቲ ዝተሳእለን ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምድራዊ ገነት እንከለዉ ዘርእይ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ብፐተር ወንዘል ዝተቀብአ ስእሊ ዘጠቓልል ከምዝዀነ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር መግለጺ ይሕብር።

ስነ ጥበብ ቻይና ካብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ንዓውደ ምርኢት ኣብ ፐኪንግ
27 May 2019, 17:38