ብክርስቲያናዊ ርእየት ንሕንጸት ኣብ ሰላም ብክርስቲያናዊ ርእየት ንሕንጸት ኣብ ሰላም 

ብክርስቲያናዊ ርእየት ንሕንጸት ኣብ ሰላም

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወገዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ብዕምቆት ምጽናዕን ምትግባርን

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ጀነቭ ኣብቲ ቤት ህብረ ሃይማኖት ዓለም ንሕንጸት ሰላም ብክርስቲያናዊ ርእየት ብዝብል ኣርእስቲ ኣቢያተ ክርስቲያናትን ክርስቲያን ማሕበራትን ብሓባር እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቅርጻዊ ኣናስር ዘለዎ ቅልውላው ብዕምቆት ንምስትንትና ዘተባብዕ ናይ ሓባር ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 22 ግንቦት 2019 ዓ.ም. እቲ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥  ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብምንቕቓሕ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብ ንምትብባዕን ዝድግፍ ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎ ሰነድ ምዃኑ ከምእተሓበረን፡ እቲ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ብመንፈሳውነት ስነ ስርዓትን መዛሙርን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ብዝወልዕዎ ናይ ሰላም ምልክት ሽምዓን ዝተሰነየ ከምዝነበረን ኣብዚ ዝተኻየደ ሓውሲ መንፈሳዊ ዓውደ ጉባኤ፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ድሕሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበራት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪችን ናይ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ተልእዀ ጉዳይ ሓላፊ ኣልያ ኣል ሸሒ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ኣስዒቦም ኣብቲ ሰነድ ኣሞርኵይዞም ናይ መእተዊ ዘረባ ከምዘስምዑን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግልጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ብዕምቆት ንምርዳእ

ኣብ ዓለም ንሕንጸት ሰላም ብክርስቲያናዊ ርእየት ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ሰነድ ኣሞርኵይዙ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ እንነብረሉ ዓለም ኣዚዩ እናተገማምዔን ብቐጻሊ ድሕሪ እቲ ቅልውላው ምህዳርን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ዘይምርግጋእን ክንየው ናይ ሓባር ጥቕሚ ካብ ምህሳይ ንገዛእ ርእሱ ንህልውና ናይ ሓባር ቤትና እውን ሓደጋ ኰይኑ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ውልትውና ክብ እናበለ ይኸውድ ከምዘሎን፡ ግብረ ሽበራን ሃይማኖት ምኽንያት ዓመጽን ኣሸባርነትን ጸንፈይናውነትን ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ዝንዛሕ ጽልእ ዘለዓዕሉ መደረታትን ሰባክያን ጸንፈናውነትን ብስም ልኡካን ሃይማኖትን ናይ ሃይማኖት ተቕዋማትን ኣብ ዓለም ዝብተን ዘርኢ ዓመጽ ንመላእ ፍጥረት ዓለም ዓቢይ ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ ሽግር ብሓባር ምብዳህ የድሊ ቢሎም፡ ኣስዒቦም ነዚ ብድሆ እዚ ንምብዳህ ካብ ሕንጸት ክብገስ ከምዘለዎ ገሊጾም። ናይ ኵሉ ኣብ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማዕርነት ምርግጋጽን ፍትሒ ምቛምን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወገዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ብዕምቆት ምጽናዕን ምትግባርን የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንሰላም ክተግህ

ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና ንሰላም ክተግህን ኣብ ሕንጸት ሰላም ነቒሑ ክዓዪ ዝድርኹ ሸውዓተ መሰረታውያን ኣመክንዮ፥ እቲ ሰነድ ክርስቶስ ሰላምና እዩ ( ኤፈ. 2.14 ረኣ)፡ ዝብል ኣመኔታ ሰላም ንምሕናጽን ነዚ ሰላም’ዚ ብመደብ ሕንጸት ንምዝራእን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝተጸውዔ ምዃኑ ብቐዳምነት የመላኽት፡ እዚ ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ ዝቖመ ሰነድ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝትንትኖ ክኸውን እንከሎ፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ሰላሙ ከምዝሃቦምን፡ ንሳቶም እውን ብተራኦም ናይዚ ሰላም ሓነጽንት ዘራእትን ንኽዀኑ ዝድርዀም ጸጋ እዩ፡ ሰላም ምስ ፍትሒ ዝተኣሳሰረን ኣብ እምነት ክርስትና ናይ ኵሉ ጸዋዕታ እውን እዩ፡ ክስርስቲያን ንሰላም ዝተጸውዐን መጋበርያ ሰላም ንኽኸውን ዝተላእከን እዩ፡ ስለዚህ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብጥበብ ቅዱስ መጽሓፍ ትርጉም ሰላምን ትግባሬ ሰላምን ዘብርህ ኰይኑ፡ ሰላም ፍትሒ ክህሉ ዝገብር እዩ፡ ኣብ መንጐ ሓጢኣትን ምሕረትን ዕርቅን ምትእስሳር ዘህልው እዩ፡ ናይ ሰላም ከይዲ ናይ ዝሓለፈ ተዘክሮን ናይ መጻእ ኣተኵሮን ዘለዎ እዩ፡ ናይ ክርስትና እምነት እግዚኣብሔር ሓደን ሰላሴን እዩ፡ እዚ ኸኣ መለኰታዊ ህላዌ ዝተፈላለዩ ንሓድ ሕዶም ምትእስሳር ከምዘለዎም ዘብርህ ምዃኑ ዝትንትን እዩ።

ብመዳይ ሕንጸት ናይ ሰላም ሕንጸት ምስፋሕ

ናይቲ ሰነድ ካልኣይ ክፍሊ፥ ብመዳይ ሕንጸት ሰላም ንምስፋሕን ንምንቕቓሕን ዘመላኽት ዝተፈላለዩ ሰነ ሜላን ጐድንታትን ዘቕርብ ኰይኑ፡ ንዅሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከከም ደረጃ ዕድመኡን ማሕበራዊ ደረጃታቱን ብዘየገድስ ኵሉ ኣብ ሰላም ክሕነጽን ተሓኒጹ ሓናጺ ሰላም ኰይኑ ክርከብ ዝብልን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘሎ፡ ትምህርቲ ምርካብ ምስ ዝብል መሰል ዝተኣሳሰረ ከምዝዀነን፡ ሰብ ብዝያዳ ምስቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ምስ ዝብል ኣፈጣጥራኡ ዝተመዓራረየ ኣርኣያኡ ድማ ክርስቶስ ዝዀነ ሰብኣውነት ክህልዎ ክሕነጽ ኣለዎ፡ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ስግደትን ኣምልዀን መንፈሳውነትን ሰላም ምምሃርን ሓናጺ ሰላም ምዃንን፡ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሓን ንሕንጸት ሰላም ዝድግፍ ክኸውን ብምግባርን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ብምኽዋን ክንክን ስነ ምህዳር ብምትብባዕን ኵሉ ንሰላምን ንሕንጸት ሰላምን ተዋሳኢ ክኸውን ከምዘለዎ የብርህ።

ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ሰላም ሕንጸት መጋበርያውነቱ

ኣብ መወዳእታ እቲ ናይቲ ሰነድ ሳላይ ክፍሊ፥ ጸላይት ቤተ ክርስቲያን ዘስተንትን ክኸውን እንከሎ፡ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን፡ ንሕንጸት ሰላም መጋበርያ ምዃኑ ንማሕበረ ክርስቲያንን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመቱ ማሕበራትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዩ ብሔራው ዓለም ለኻውን ኣባይቲ ጽሕፈትን ምምስካር ከምዘድልን ንሕንጸት ሰላም ኣገዳሲ ዝብሎም ከይድታት ዘመላኽት ኰይኑ፡ ነቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ብመደብ ሕንጸት፡ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ሃይማኖትን ማሕበረሰብን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ተቕዋማትን ኣብ መደባት ትምህርተ ክርስቶስን ኰታ ብዅሉ ናይ ቤተ ክርስቲያ ጽፍሕታትን መደባትን ኣብ ጸሎትን ሊጡርጊያን ድዩ ብዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ብምዕሟቕ ኩሉ ኣብ ጐደና ሰላም ክጓዕዝ ዝተጸውዔ ምዃኑ ምሕባርን ኣብዚ ጸዋዕታ’ዚ ክነቕሕ ምትብባዕ ዝብልን ምእንቲ ሰላም ብውልቅን ናይ ብሓባርን መደባት ጸሎት ምኽዋን ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ዝትንትን ምዃኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳዋዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ መገልጺ የመልክት።

ብክርስቲያናዊ ርእየት ንሕንጸት ኣብ ሰላም
23 May 2019, 17:47