ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ ናብ ሓድነትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ ናብ ሓድነትን 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ ናብ ሓድነትን

ናይ ደም ውህደት፡ ናይ ድኽነት ውህደት ናይ ተልእዀ ውህደተ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ናይ ቡልጋርያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊትን ቅዱስ ሲኖዶስን ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካየድዎ መበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ቅድም ኣብ ቡልጋርያ ምስ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ ውህደት፡ ንዅለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘዋህድ ናይ ሰማዕታት ደም፡ ናይ ደም ውህደትን ናይ ድኽነት ውህደትን ናይ ተልእዀ ውህደትን ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ናብ ሓድነት ክብጻሕ ዝከኣል ምዃኑ ነዞም ሰለስተ ንጥብታት ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም ከምዘብርሁ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔየሊ ቅዱስ ኣቦና ስለለስተ ውህደታውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ደም ውህደት፡ ናይ ድኽነት ውህደት ናይ ተልእዀ ውህደተ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ናይ ቡልጋርያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊትን ቅዱስ ሲኖዶስን ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ውህደት ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝዀነን፡ ሽሕ እኳ ዘካትዑን ዝፈላዩን ጠመቓውን ሃምነናውን ትምህርተ እምነት ይህልው እዞም ሰለስተ መገድታት እዚኣቶም ናብ ሓድነት ክብጻሕ ዘኽእሉ ተግባርያውያን ምዃኖም ብኣጽዖት የመላኽቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣሳዶ ዘመን ኣብዛ ሃገር ቡዝሓት ክርስቲያን ብስም ኢየሱስ ተሳቕዮም እዮም። ካልኦት ማሕበረሰብ ክርስትያን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም፡ ሎሚ እውን ስለ እምነቶም ብዙሕ ዝሳቐዩን ንኣሳዶ ዝተቓልዑን ኣለዉ፡ ምእንቲ’ዚ ፍረ ከነፍርይ እንኽእል ኣብ ገዛእ ርእስና ክሳብ ዘይተዓጸና ምዃኑ ቅድሱነቶም የብርሁ።

ቅዱስነቶም ሓውኻ ናይ ምንፋቕ ጦብላሕታ ከምዝስምዖምን እዚ ምንፋቕ’ዚ ምስቶም ደቂ እቲ ሓደ ኣቦ ዝዀኑ ሓድነት ንኽህልወካ ዝድርኽ ሰናይ ምንፋቅ ምዃኑ ከምዘብርሁን፡ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ቡልጋርያ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ዝስምዖም ዝነበረ ምንፋቕ ከምዝዀነ ይገልጹ፡ ናይ ድኽነት ውህደት (ክርስቲያናዊ ውህደት) ብሓገዝ እግዚኣብሔርን እግዚኣብሔር ንሓልዮቱ ብዘንብሮ ግዜ እቲ ርክባትና ኣብቲ ኣነካይዶ ዘተን እወታዊ ተጽእኖ ከምዝህልዎ እምነተይ እዩ፡ ንጐይታ ንኸነገልግል ብፍላይ ንሕዋት ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ዝተረስዑን ህላዌኡ ኣብ ዝግለጸሎም ኣብ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ እቲ ናይ ድኽነት ውህደት እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣርእስቲ ይትንተን። ምስቶም ዝሳቐዩን ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ብምዃን ክርስቶስ ምብሳር።

ሳልሳይ ናይ ተልእዀ ውህደት (ውህደት ክርስቲያን ኣብ ተልእዀ) ዝብል እዩ፡ ነቲ ቀዳማይ ብስራተ ወንጌል እሙናት ቢዛንታውያን ንቅዱስ መጽሓፍ ዝተርጐሙ ቀርሎስን መጠዲዮዎስን፥ እዞም ካብ ኣለዳ ቀዳማይ ሽሓዊ ዘመን ዘጣመሩና ዝኽሮም ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያንና ህልው ዝዀነ ሎሚ እውን ምንጪ ኣስተንፍሶታትና ከምዝዀኑን፡  ሎሚ እውን እንተዀነ ንሓድሽ ወለዶ ብቛንቁኡን ህልው ኩነታቱን ብምቕራብ ናይቲ ዘፍቕር እምላኽ ሓሴትን ጸዋዕታን ንኸስተማቕሩ እምነት ንኸነመሓላልፍ ብርሃን ሓቢሮም። እዚ ክኣ መንእሰይ በቲ ዘታልል ናይ ኣህላኺ ህብረተሰብ ድምጺ ፈተና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ንኸይህብ ይድገፍ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ሓዉ ክርስቲያን ብምዃን ዝነብሮን ሕይወት ጭቡጥ ምስክርነት ሓድነትን ሰላምን ንዓለም እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ

(Andrea Tornielli)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ ናብ ሓድነትን
09 May 2019, 16:51