ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋያን ሰሜን መቀዶኒያን መልእኽተይና ሰላምን ሓድነትን

ድሕሪ እቲ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ 2002 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምብጻሕ ስዒቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሰር ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳት ኣብ ሶፊያን ስኮፕይጀን ናይ ሓድነትን እንገዳን ጉዕዞ ዘመላኽት መበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እዮም። ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኽኸውን እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብዛዕባ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ 2002 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምብጻሕ ስዒቡ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. ክዀኑን ናይዚ ናይ ቡልጋርያ መገሻኦም መርሕ ቃል እውን ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ናይቶም ኣብ ቡልጋርያ ቀዳማይ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪልን ደሓር እውን ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ከይኖም ዝተሓርዩ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽቲ ዘዘኻኽር እዩ፡ ስለዚህ እዚ መገሻ እዚ ኣብ ኣሰር እዞም ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳት ዝንበር ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብመንጽር ሊጡርጊያ እዋኑ እዋን ፋሲካ ብምዃኑ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ወሃቤ ሰላም ምዃኑ ዝምስክርን እዩ፡ ሰላም ምሳኹም ይኹን፡ ሰላመይ እህበኩም እንክብል ጐይታ ንደቀ መዛሙቲ ዝሃቦ ሰላም ዘቃልሕ እዩ፡ ስለዚህ እዚ እውን ኣብቲ ናይቲ መገሻኦም መሪሕ ቃል ይንጸባረቕ፡ ብሓደ ሸነኽ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘመላኽት እዩ፡ ከም እንዝክሮ ዮሓንስ መበል 23 ምስ ቡልጋርያ ጥብቂ ታሪኻውን ሰብኣውን መንፈሳውን ርክብ ዘለዎም እዮም፡ ደላይ ሰላምን ሓናጺ ምሕዝነትን ምስ ካልእ ንምርኻብ ክፉት ምዃን ዝብል መንፍሳውን ሰብኣውን ዝንባለ ዮሓንስ መበል 23 ዘቓልሕን ዝነብርን ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፡ ከምቲ ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ዘካይድዎ ርክብ ኣብ ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን መጠዲዮስን መንፈሳውነት ዘማእከለ እዩ፡ ኣብ ጐይታ ዝጸንዔ ሕውነትን ምግምማዕ ብምስጋር ወንጌል ንዓለም ብሓባር ንምምስካ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና፥ ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓን ምውሃድን ብዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዝግለጽ መደብ ምቕባል ስደተይናታት ዘቃልሓሉ እውን እዮም በዚ መሰረት እዚ እውን ምስ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ስሜን መቀዶኒያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ኣሰር እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝንበር እዩ፡ ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ኵነት ሓልዮትን ቅርበትን ፍቕርን ንድኻታትን ዝተናዕቁን ትሑታንን ዝምስክር እዩ ምስ በሉ፡ እዚ መበል 29 ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ብድሆ ዘይኰነስ ዕድል እዩ፡ ቡልጋርያ መሬት ብዙሓነት እያ፡ ህብረ ባህልታትን ሕዝብን ዘአንገደት እያ፡ መቀዶኒያ እውን ከምኡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋያን ሰሜን መቀዶኒያን መልእኽተይና ሰላምን ሓድነትን
04 May 2019, 17:32