ካርዲናል ፊሎኒ፡ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብ ታይላንድ ካርዲናል ፊሎኒ፡ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብ ታይላንድ 

ካርዲናል ፊሎኒ፡ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብ ታይላንድ

ኣብ ታይላንድ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ዝኣተወትሉ ከባቢ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ታይላንድ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት (1669-2019 ዓ.ም.) ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብታ ሃገር ኖላዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ኣብታ ሃገር ልኡካነ ወንጌል ፖርቱገዛውያን ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ዘበገስዎ ስብከተ ወንጌል ስዒቡ ዝቖመ መበል 350 ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብ ታይላንድ ንህላዌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ክህልዎ ዝገበረ ምዃኑ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ኣብ ታይላንድ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ዕለት 16 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ክኣትዉን ዕለት 17 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ንግደት ከካይዱን ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ታይላንድ ክራኸቡን፡ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ካብ ባንኰክ 30 ኮሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሳምፕራን ከብጽሑን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝበዓል መበል 350 ቅዋመ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ምኽንያት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ምዃኖም ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ኣባ ኒኮላስ ቦንከርድ ኪትባምሩንግ (1895-1944 ዓ.ም.) ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ኣብ 2000 ዓ.ም. ብፅዕና ዝተኣወጀሉ ቤተ ክርስቲያን ምስ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ክራኸቡ እዮም።

ዕለት 19 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ምስ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ብሔራት ዝውክሉን ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ታይላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ቺያንግ ማይ ክራኸቡን ኣብኡ እውን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያን ገዳማውያትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን እዮም።

ዕለት 20  ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ማኤ ፖም ምስ ዓሌት ካረን ክራኸቡን ምስቶም ኣብቲ ከካቢ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ክራኸቡን ምስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሰሉስ ዕለት 21 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ብፁዕነቶም ነታ ንውልደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታይላድ መሰረት ዝዀነት ናይ ዞባ ስያም ከተማ ኣዩታያ ምብጻ ኣካይዶም ናይታ ጥንታዊ ከተማ ዝገልጽ ታሪኻዊ ቅርያት ክበጽሑን ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን ክራኸቡ ከምዝዀኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።  

ካርዲናል ፊሎኒ፡ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘሲያም ኣብ ታይላንድ
15 May 2019, 17:21