ፍራንቸስኮ ትማልን ሎምን ፍራንቸስኮ ትማልን ሎምን 

እዋናውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ፥ ወንጌል ብሱር ነቀል ምንባር

ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝቐረቡ ማለት ካብ 2004 ክሳብ 2018 ዓ.ም. ዝተሓትመ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሔ ናይቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. መጸውዕ ስሞም ናይቲ ናይ ኣዚዚ ቅዱስ ክኸውን ዝሓረዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከምዝዀነን

ኣብ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዕለት 23 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ፍራንቸስኮ ትማልን ሎምን፡ ሕይወትን እዋናውነትን  ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኢጣሊያ ናይ በነቨንቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊቸ ኣክሮካ ዝተደረሰ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እዚ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ብእተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ ከም መበገሲ ጠርኒፉ ዘቕርብ ከምዝዀነ ነቲ ዓውደ ምረቓ እታ መጽሓፍ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ እውን እንተዀነ ደድሕሪ ቅዱስ ራንቸስኮ ዘኣሲዚ ስለምንታይ ኢና እንኸይድ? ተመራማርን ሊቕን ስለ ዝነበረ ኣይኰነን፡ እቲ ቀጻሊ እዋናውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቀጻሊ ሕዳሴ ወንጌል እዩ ዝብል መልሲ ኣብቲ ናይቲ መጽሓፍ መእተዊ ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ናይ ማእከላይ ዘመን ስነ ታሪኽ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊቸ ኣክሮካ ይሕብሩ፡

ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ዝተኻየደ  ዓውደ ምረቓ ዝመርሑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳን ናይ ኢጣሊያ ላ ረፑብሊካ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዘጠይና ፓውሎ ሮዳሪ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣማእኪሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብሎ ሶርቫቶረ ሮማና ተሓቲሙ ንናብ ዝበቐዔ ናይታ መጽሓፍ ቀዳማይ ክፍሊ ከይኑ ከምዝቐረበን፡ ቅዱስነቶም ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዘለዎም ኣኽብሮትን ፍቕርን ንገዛእ ርእሱ ናይ ር.ሊ.ጳጵስና መጸውዕ ስሞም ንኽኸውን ምሕራዮም ዝምስክሮ እዩ።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ቅዱስ ፍራንቸስኮ

እቲ መጽሓፍ ዘቕርቦ ሓሳብ ኣብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ናይ ሕይወት ታሪኽ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍራንቸካዊ ራእይ ብዕምቆት ይትንትን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣክሮካ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ታሪኽን ስነ ቅርሲ ቤተ ክርስቲያን መምህር ኰይኖም ከምዘገልገሉን፡ ብዛዕባ ቅዱስ ራንቸስኮን ቅድስቲ ኪይራን ዘኣሲዚ ብዛዕባ ፍራንቸስካውነት ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዝትንትን መጻሕፍቲ ንንባብ ዘብቅዑ ከምዝዀኑ ክንገር እንከሎ፡ ዕለት 8 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ በነቨንቶ ሜጥሮጶሊታ ክዀኑ ከምእተሰምዩ ዲ ቡሶሎ ኣዘካኺሮም።

ኣንድረያ ሞንዳ፥ ኣብ ፍራንቸስኮ ሓይሊ ናይቲ ኣገዳስነት

እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ  ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ መሪሖም ዝተሳተፉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ካብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዝተወስደ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገለጽ ስልጣላዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝቐረቡ ማለት ካብ 2004 ክሳብ 2018 ዓ.ም. ዝተሓትመ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሔ ናይቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. መጸውዕ ስሞም ናይቲ ናይ ኣዚዚ ቅዱስ ክኸውን ዝሓረዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከምዝዀነን ኣዘኻኺሮም፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ካብ 800 ዓመት ኣትሒዙ ንኽርስቲያን ማሕብረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ናብ ሕቶ ዘእተወን መሰረታዊ ሕቶ ብምንቕቓሕ ዘናወጸን ዘደነቐን ሎሚ እውን ዓቢይ ሕቶ ኰይኑ እቲ ኣብ ሰብ ነቲ ተራ ግን መሰረታዊ ዝዀነ ሕመረት ህይወት ዝሓበረን፡ ኣብ ሕይወቱን ኣነባብራኡን ክርስቶስ ክርአይ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ዘኖርቻ ዝዘረኦ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናብ መላእ ዓለም ኣስፈሖ፡ እዚ መገዲ’ዚ  ብበነዲክቶስ መበል 16 ከምኡ እውን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ክትገልጾ ዝከኣል ተክለ ሰብነት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሕዝቢ ዓለም ክፍቀሩ ዝገብሮም ወንጌል ብቓልን ብሕይወትን ዘቕርቡ ብምዃኖም እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

እዋናውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ፥ ወንጌል ብሱር ነቀል ምንባር
24 May 2019, 17:58