ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ኣብ ደቡብ ሱዳን 

ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ኣብ ደቡብ ሱዳን

ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ብሓባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ክኣትዉ ምዃኖም

ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ጽኑዕ ድጋፍ ቀጻልን ነባርን ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ከምዝገለጹን ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻራን ንመንፈሳዊ ሱባኤ ናብ ሃገረ ቫቲካን ከኣትዉ ምዃኖም ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብስነ ሜላዊ ርክብ ዘተ ምንቕቓሕን ናብ ዕርቂ ምድራኽን ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ከመላኽት እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ጂሶቲ እውን ብወገኖም ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ብሓባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ክኣትዉ ምዃኖም ዝተወሃበ መገልጺ ኣረጋኢጾም፥

ዝዓለፈ ዓመት ውርሒ መስከረም ዝተበጽሔ ስምምዕ ሰላም

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. በታ ናይታ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናጽነታ ዝኣወጀት መንእሰይ ሃገር ምስ ኣተዉ ኣብታ ሃገር ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ምእመናንን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም፡ ናይቲ ምብጻሕ ዕላማ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን በቲ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ስዒቦም ዝመጹ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ብመንጽር ብሔራዊ ዕርቂ ንምልካትን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጐ ናይ ደቡብ ሱዳን ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብመንጽር ብሔራዊ ዕርቂ ክትርጐም እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ንምርግጋጽ ዝብል ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኒ ሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ተራኺቦም እቲ ኣብ ወርሒ  መጋቢት ዕለት 16, 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ሱዳንን ዝተበጽሔ ስነ ርክባዊ ሜላ ስምምዕን ህልው ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ናይ መወዳእታ ናይ ሰላም ስምምዕ ውሳኔታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምእተመያየጡን ኣስዒቦም እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ  መንበረ ጥበብ ምስ 1,500 ተመሃሮ ተራኺቦም ደቡብ ሱዳን ብሰላምን ብምሉእነትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝነበረላ ሃገር ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘረባ ከምዘስምዑን ኣብቲ መንበረ ጥበብ ሓድሽ ናይ ፍትሕን ሰላምን ክፍለ ትምህርቲ ሕንጻ መሰረተ እምን ኣንቢሮም ከምዝባረኹን ናይቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ንዝኽሪ ቅዋሜ ዓስራይ ዓመት ኦም ከምዝተኸሉ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ምስቲ ብኣንጀሊና ተንይ  ናይ ሕዝባዊ ናጽነት ምንቅስቓስ እተሰምየ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ምክልኻልን ጉዳይ ሓላፊት በዓልቲ ቤት ሪክ ማቻርን ተራኺቦም ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡ ኣፍሊጡ።

ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ጁባ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ተመሃሮን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣሕሉቕን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ደጋዊ ፍከል ከተማ ናብ ዝርከብ ልዕሊ 32 ሺሕ ተመዛበልቲ ዝተዓቖቡሉ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝመሓደር ማእከል ስደተይናታን ተመዛበልትን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብቲ መእለዪ ዘኽታማት ዝርከብ ብማሕበረሰብ ደቂ ቅድስተ ማርያም ንጽሕትን ተሓባበርተንን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ከምዝበጽሑ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፡

ጸረ ጽልእን ኣጽዋር ውግእን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ታሪኻዊ መራሒ ነፍሰ ሄር ጆን ጋራንግ በዓልቲ ቤት ረበካ ንያደግን ኣብ ጁባ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራ መግስታት ልኡካንን ጁባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ናይ ሰበኻ ጁባ ካናትን ርእሰ ብሔር ሳቫኪር ዝርከብዎን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኣብ ጐዳና ጸረ ጽልእን ጸረ ኣጽዋር ውግእ ንምስጓም ሕይወትን ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብሉ ዕሴታት ምቕዳም ወሳኒ ምዃኑ ዘነጽር ስብከት ከምዝለገሱን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ረጃፍ ዝርከብ ቍምስና ኵሎም ቅዱሳትን ንኡስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ሎረንዞን ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ዝመሓደር ቅድስቲ ጆቫና ኣንቲኣ ቱረት እተሰምየ መእለዪ ዘኽታማትን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ቅርበት ንሰላማዊ ሕዝቢ

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ንውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ፍልዩ ወኪል ዳቪድ ሺረር ተራኺቦም ከምእተመያየጡን ኣስዒቦም ምስ ውሉደ ክህነት ኣባላትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተራኺቦም፡ ኣብታ ሰላም እተናድይ ሃገር ብድሆታት ኣስፍትሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ደቡብ ሱዳን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክትከውንን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ክትዕደል ንጸልይ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ርእሰ ብሔር ኪር ኣብ መንበሮም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምን ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ዓቢይ ምዃኑ ከምዝገለጹሎም ዘኪሮም። እዚ ንናይታ ሃገር ህዝቢ ዘለዎም ቅርበት ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።

ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ኣብ ደቡብ ሱዳን
06 April 2019, 16:12