እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ፥ ነተን ኣብ ጊልያነት ዝርከባ ደቀ ንስትዮ ሰብኣዊ ክብረን ንኽዓትራ

እቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንግድ ሰብ ከይህሉን ናይዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣደዳ ዝዀኑን ዝሳቐዩን ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ንኽላቐቑ ዝዓዪ ደጊም ግሊያዎት ኣይኵናን እተሰምየ ማሕበር

ዕለት 5 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ እቲ ከምቲ ልሙድ ዓርቢ ስቕለት፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪሑ ዝካየድ ጸሎት ፍኖተ መስቀል፡ ዝምርሓሉ ኣስተንትኖ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ትሕዝቶ ደጊም ጊልያዎት ኣይኰናን  ንእተሰምየ ማሕበር ኣደ መንበር ንእናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ ከምዝሃቡ ክዝከር እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዕለት 19 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ዝካየድ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ደራሲት ኣስተንትኖ  እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ተሰንየን ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሳተፋ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ 2019 ዓም. ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ቅዉም ሓሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም በቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም ንግድ ሰብ ዝሳቐዩን ኣደዳ ዝዀኑን ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ናይቲ ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ዝካየድ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ሮማን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘሳትፍ ፍኖተ ምስቀል ኣስተንትኖ ንኣባል ማሕበር ደናግል ኮንሶላታን ኣደ መንበር ናይቲ ደጊም ጊልያዎት ኣይኰንናን  ንእተሰምየ ማሕበር ኣደ መንበርን ንእናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ ሕድሪ ከምዝሃቡን፡ እናቴ ኤውጀኒያ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ እዋናዊ ኣድሽ ጊልያነት ንኽውገድን ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ንምብዳህ ኵለን ሃይማኖታትን መንግስታትን ዓቕሞም ኣዋዲዶም ብሓባር ክነጥፉ ደጋጊመን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ሓቢረን ዝዓያ እየን፡

ክላትና ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ሓደጋ ግሊያነት ተሓተትቲ ኢና

እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣቢሎም ንዘቕረቡለን ጻውዒት ተቐቢለን፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ለምዘበን ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ንኸሰናድው ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝቐረበለይ ጻውዒት ዓቢይ ሓላፍነት እዩ ሓላፍነት ተልእዀ እዩ፡ ስለዚህ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስለ መስቀል ደቀንስትዮ ብፍላይ እተን ንሓደጋ ጊልያነት ዝተቓልዓ ኣሕዋት ካብቲ ዝወደቓሉ ጾር ተላቒቐን ክብረንን መሰለንን ተኸቢሩለን ንኽነብራ ኣብዚ መዳይ ስለኤን ክትጽልይ ኣገዳሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጸሎት’ዚ ቦኺራ ኣይትፈልጥን፡ ነቲ ስቓይ ደቀንስትዮ ምስ ናይ ጐይታ ሕማማት ኣጣሚርካ ብምንባብ ንትንሳኤአን ንምንቃሕ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ወሳኒ እዩ እንክብላ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበራ ካፐሊ የመልክታ።።

እቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንግድ ሰብ ከይህሉን ናይዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣደዳ ዝዀኑን ዝሳቐዩን ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ንኽላቐቑ ዝዓዪ ደጊም ግሊያዎት ኣይኵናን እተሰምየ ማሕበር ዕለት 29 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ብድላይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብምትሕብባር ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፡ ቀንዲ ዕላማኡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዝዀኑን ሰብኣውነት ንዘሕስር ጸያፍ ተግባርን መጋበርያ ንኽዀኑ ብናይ ገበን ጉጅለታት እናተሃድኑ ካብ ድኽነት ክትላቐቑን መነባብሮኹም ከተመሃይሹን ብዝብል ሸፍጢ ዝሽየጡን ዝልወጡን ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ምድሓን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ክስተት’ዚ ብምቅላዕ፡ ኵለን ሃገራት ኣብዚ መዳይ ብምትሕብባር ክዓያ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ውሽጢ ኢጣሊያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ብዝተፈላለዩ መጋበርያታት ብምትሕብባርን ብመርበብ ሓበሬታ እውን ብምርኻብን ሓበሬታ ብምልውዋጥ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ክወግድ ዝንቀሳቐስን ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ክውገድን መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ምውጋድ ሓድሽ ግሊያነት ነቒሑ  ክዓዩ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ እናቴ ቦነቲ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣመልኪተን፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ብባህልን ብርክባት ህብረ ባህልታትን ህብረ ሃማኖታንን ተሰንዩ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት ባህሊ ዘስፍሕ እዩ ኢለን።

ተልእዀ እናቴ ኤውጀኒያ

እናቴ ኤውጀኒያ ኣብ ከንያን 24 ዓመት ኣብ መንጐ ነቲ ብርሁ መጻኢ ዘማዕድው መንእሰይ ኣብ ጐድኑ ከይነን ኣብ ምግልጋል  ተልእዀ ዝነበራን፡ ሎሚ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰማዒ ቤት ተመዲበን ኣብ ምግልጋል ከምዝርከባን፡ ድላየን ኣብ ኣፍሪቃ ምግልጋል እውን እንተነበረ ማርያ እትበሃል መንእሰይ ኣብ ኢጣሊያ ተገፊዓን ከም ግኡዝ ተሸይጣን ተለዊጣን ብናይ ገበን ጉጅለታት ኣደዳ ኰይና ኣብ ሓድሽ ጊልያነት ወዲቓን ተገዲዳ ነመንዝራነት ሕይወት ወዲቓ ዝነበረት መንእሰይ ምስ ተራኸባ፡ ብታሪኽን ንብዓትን እዛ መንእሰይ ዳርጋ ተለዊጠ ይብላ፥ ስለ እተን ኣብ ጊልያነት ኣመንዛራ ሕይወት ዝወደቓ ኣሕዋት ድምጸይ ከስምዕ እዚ ሓድሽ ተልእዀ መንፈስ ቅዱስ ሕሹኽ ከምዝበለን የዘንትዋ፡ እታ መንእሰይ ርድኣኒ ቢላ ምስ መጸት፡ ንሰን ናብ ቤተ ክርስቲያን ሒዘናኣ ክኣትዋ እንከለዋ ብዙሓት ሓንቲ ድንግል ንሓንቲ ኣመንዝራ ሒዛ ናብ ቤተ ክርስቲያን ትኣትው ዝብል ዘረባ ትሕቲ መልሓስ ነይሩ ገሊኣቶም ኣውን እቲ ሰናይ ተግባር ከምዘሎ ኰይኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ሕዘነኣ ምእታው ዘይድግፉ ነይሮም፡ ገሊኣቶም እውብ ዝኸሰኪ ሓደ’ኳ የሎን ኪዲ ደጊም ኣይትሕጥኢ ዝብል ቃለ ወንጌል ዝዘከሩ እውን ነይሮም እዮም፡ ዝምሕር ዘድሕን ጐይታ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ እግዚኣብሔር ዝሃበኒ ሓድሽ ኣገልግሎት ነብር ኣለዅ ከምዝገለጻ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

እናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ፥ ነተን ኣብ ጊልያነት መጻወዲያ ዝወደቓ ደቀ ንስትዮ ሰብኣዊ ክብረን ንኽዓትራ
18 April 2019, 17:27