ተሳትፎ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቻይና ዓውደ ምርኢት፥ ድልድል ኣብ መንጐ ዘተን ባህልን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቻይና ኣብ ዝቐርብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ምርኢት ክትሳተፍ ንመጀመሪያ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ካብ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝካየደ ናይ ስነ ሕርሻን ኣታኽልትን ሓምላይ ሃብትን ስነ ምብቋል መጽናዕቲ ዓውደ ምርኢት ቅድስቲ መንበር ንኽትሳተፍ

ኣብ ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ርእሰ ከተማ ፐኪንግ ዕለት 28 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዝኽፈት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕርሻን ኣታኽልትን ሓምላይ ሃብትን ስነ ምብቋል መጽናዕቲ ዝምልከት ዓውደ ምርኢት ቅድስቲ መንበር እትውከለሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ዳስ (ንኡስ ኣዳራሽ) ክህልዋ ከምዝዀነ ዕለት 16 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝክረብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ከምእተገልጸ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሕርሻን ኣታኽልትን ሓምላይ ሃብትን ስነ ምብቋል መጽናዕቲ ዓውደ ምርኢት ብወግዒ ከምእተላለየ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቻይና ኣብ ዝቐርብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ምርኢት ክትሳተፍ ንመጀመሪያ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ካብ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝካየደ  ናይ ስነ ሕርሻን ኣታኽልትን ሓምላይ ሃብትን ስነ ምብቋል መጽናዕቲ ዓውደ ምርኢት ቅድስቲ መንበር ንኽትሳተፍ ካብ ናይ ሕዝባዊት ቻይና ረፓብሊክ መንግስቲ ዕድመ ከምዝቐረበላን ነቲ ዕድመ ተቐቢላ እውን ክትሳተፍ ምዃናን ብፍላይ እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ጻውዒትን እትህቦ ሕንጸትን ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክልኻልን ምክንኻንን ዘሎና ሓላፍነት እውን ብሰፊሕ ንምንቕቓሕ እትጥቀመሉ ዕድል ከምዝኸውን ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝተኸታተሉ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኰ ገሊጾም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ንኡስ ናይ ዓውደ ምርኢት መስረሕ

ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዝወሃባ  ምርኢታ ኣተቕርበሉ 200 ትርብዒት መትር ብዛዕባ ሕርሻን ሓምላይ ሃብትን ዝምልከቱ ኣብ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ካብ ዝርከቡ ብዛዕባ ኣቑጻልን ዓይነት ሳዕርታትን ንሕክምና ዘገልግሉ ዓይነት ኣታኽትልቲታት ዘዘንትዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ገዳማት ምርምርን መጽናዕትን ዝተገበረሎም ብዝዝርዝ ዘዘንትዉ መጻሕፍትን ናይ ውሩይ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ንድፍን ሊቅ ፐተር ወንዘል (ካርልስባድ 1745 ክሳብ 1829 ዓ.ም. ኣብ ሮማ) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤደን እንከለዉ ዘርእይ ብጥበብ ዝቀብእውኖን ዝሰኣልዎን ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲክን ዝተዓቀበ ቅብእን፡ ብርሃን ይኹን በለ ዘርእስቱ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ብዕደ ጥበባዊ ክህሎት ዝተዳለወ ሓጺር መልእኽትን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘርእስይ ብነሓሲ ዝተቀርጸ ምስልን ዝኣመሰሉ ናይ ስነ ጥበብ ሃብታት ንምርኢት ከተቐርብ ምዃና ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ መሪሖም ዝተሳተፉ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ኣቦ መንበር ብፁዕ ክርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ዘተን ከባብን

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል እመቤተ ማርያም - Notre Dame ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘኪሮም፡ ባህሊ መራኽቦ እዩ፡ ምኽንያት ርክብ እዩ፡ ቢሎም እቲ ካተድራል እመቤተ ማርያም ሕሉፍን ህልውን የራኽብ ዝሓለፈን ዘሎን ዘዘንትው እዩ እንክብሉ፡ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ንኡስ ኣዳራሽ ዓውደ ምርኢት ምኽትል ኣሰናዳኢ፡ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስት ራፍንይ እቲ ኣብ ፐኪንግ ዝቐርብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ምርኢት፡ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝውክል እዩ፡ ምስታፍ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህልን ርክብን ዘተን ድልድል ምዃን ዝብል ዕላማ ዘድምዕ ከምዝዀነ ድሕሪ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ተሳትፎ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቻይና ዓውደ ምርኢት፥ ድልድል ኣብ መንጐ ዘተን ባህልን
17 April 2019, 16:29