ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ግርጭት ንምስናፍ ድምጺ ደቀንስትዮ ይሰማዕ ትብል ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ግርጭት ንምስናፍ ድምጺ ደቀንስትዮ ይሰማዕ ትብል 

ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ግርጭት ንምስናፍ ድምጺ ደቀንስትዮ ይሰማዕ ትብል

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ግደ ደቀንስትዮ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት በርናርዲቶ ኣውዛ፡ ኣብ ተልእዀ ሰላምን ዕርቅን ንሕንጸት ዳግመ ምትእምናንን ግደ ደቀንትዮ ዓቢይን ብፍላይ ነባሪ ዕርቂ ውሑስ ኣብ ምግባር ከይዲ ድምጸን ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣይፋል ንዓመጽን ሓሳርን፡ ሕራይ ንሰላምን ምዕባለን ኣብ ምባል ደቀንስትዮ ዘለወን ተራ ዓቢይ እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ዓመጽን ውግእን ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ዘለዋ ደቀንስትዮ ሰላም ንምድላይን ንምዕቃብን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ግደ ደቀንስትዮ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለጹን፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብትኽክል ዕለት 31 ጥቅምቲ 2000 ዓ.ም. ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝጸደቐ 1325 ውሳኔ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታትን ውሳኔታትን እውን ኣብ ምትሕልላፍ ሓላፍነት ብኹሉ ጸፍሕታቱ ደቀንስትዮ ሓላፍነት ክህልወን ምግባርን ኣብቲ ዓመጽን ውግእን ዝካየደሉ ስፍራ እውን ምስ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ኣዚየን ንሓደጋ ዝቃልዓ ብምዃነን ብቑዕ ሓለዋ ክግበረለንን ንነባሪ ሰላም ኣብ ዝብል ዘተ ናተን ግደ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ጉዳይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዣን ፒየር ላክሩዋ፥ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ወሳኒ ምዃኑ ዘስመሩሉን ከምኡ እውን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ኣብ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላምን ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ዝግበር ጻዕሪ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ክብ ይብል ከምዘሎ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሊቀ ጳጳስ ኣውዛ ተወኪሶም፡ ጓለንስተይቲ ኣደን ሓብትን ውላድን በዓልቲ ቤትን፡ ሓብሓቢትን ብምዃና ኣዚ ዅሉ ኣብ ተልእዀ ሰላም ግደ ኣድላይን ዓቢይን ምዃኑ ዘረጋግጽን ተዋሳእነት ክህልዎ ዘተባብዓን ብማዕቅፍ ደቀንስትዮ ኩነታት ዓለም ምምልካት ኣገዳሲ መፍትሒ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ የቀላጥፍ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

መገዲ ዕርቂ ንምቕናዕን ውግእ ንምውጋድን ዓመጽን ውግእን ዘስዕቦ ሰብኣውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ማሕሰይቲ ንምፍዋስ ንዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ደገፍ ዝዀነ ምትእምማን ዳግም ንምሕናጽ ደቀንስትዮ ፍሉይ ተውህቦ ኣለወን፡ ስለዚህ ኣብ ዓለም ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጣ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዓቢይ ተራ ዝተጻወታ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ህላወኤን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ጓለንስተይቲ ክፉት ኣነነት ዘለዋ እያ፡ ንኻልእ ክፉት ናይ ምዃን ተክእሎ ዘለዋ፡ እዚ ኸኣ ንዘተን ንዘይጐነጻዊ ቃልስን ዓመጽን ውግእን ኣቐዲምካ ከይኽሰት ኣብ ምግባር ከይዲ ዝቐልጠፈት ንኽትከውን ይድርኻ፡ እዚ ሃይማኖታውነታ ክስብ ክንደይ ዓሚዩቕ ምዃኑ ዘረድእ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቃለሉ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ግርጭት ንምስናፍ ድምጺ ደቀንስትዮ ይሰማዕ
13 April 2019, 17:14