በነዲክቶስ መበል 16፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ቅልውላው ንምስናፍ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ በነዲክቶስ መበል 16፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ቅልውላው ንምስናፍ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ 

በነዲክቶስ መበል 16፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ቅልውላው ንምስናፍ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድን ቅድሚ ምክሳቱ ኣብ ምክልኻል ዝብል ጻዕሪ የበራትዑን ኣብዚ መዳይ እውን ብዙሕ ውሳኔታት ይህቡን መገድታት እውን ይሕብሩ

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ምንቁልቋል ወይ ግርደት እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ካብ ምህላዉ ዝነቕል እዩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ክፍኣት ሓይሊ ዝውለድ ንፍቕሪ እግዚኣብሔ ካብ ምንጻግ እዩ (…) ስለዚህ ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ምምሃር ንናይ ሰባት መገዲ ድሕነት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክለሩስብላት ንእተሰምየ ናይ ጀርመን መጽሔት ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ክኸውን እንከሎ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዕምቆት ንሕዝበ እግዝኣብሔር ዓቢይ ዕንቅፋትን ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ምግሃስን ክኸውን እንከሎ መንቀሊኡ ከኣ እምነት ምጥፋእን ግርደተ እምነት ምዃኑ የብርሁ።

ምስጋና ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

በነዲክቶስ መበል 16 ካብቲ ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ተጸዊዑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝመኸረ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማት ላዕለዎት ኣሕሉቕን ኣሳቲፉ ቃል ምስክርነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ኣአንጊዱ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ጠቒሶም፡ እቲ ውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቤተ ክርስቲያን እምንትን ተኣማኒትን ንኽትከውንን እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝተፈጸመው ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝሃሰሰ ተኣማንነታ ዳግም ዘልብስ ብርቱዕ ውሳኔ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ናይ ስልሳታት ሶውራ ጾታዊ ስምዒት

በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዎ ጽሑፍ፡ ብሰለስተ ምዕራፋት ዝኽፈል ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ኣብ ማሕብራዊ ማዕቅናትን ናይ ስልሳታት ናይ ስነ ጾታዊ ሶውራ መሰረት ገይሮም፡ ጾታዊ ስምዒት ምስ ትሕቲ ዕድመ ዳርጋ ቅቡል ዝብሉ ሓሳባት ከምዝነበሩን፡ ኣብቲ እዋን እውን ቅልውላው ጸዋዕታ ብሰፊሕ ይረኣይ ከምዝነበረን፡ ተዛማዳዊ ባህሊ ኣዚዩ ዝተበገሰሉ እዋን እውን ምንባሩ ተንቲኖም፡ ኩሉ ተዛማዲ ቲዮሎጊያዊ ምርምር እውን ከይተረፈ ዘቕርቦ ተበጽሖታትንን መጽናዕትታትን ተዛማዲ ኰይኑ ይተርፍ ነይሩ። ሰናይ ዝብል ጠፊኡ ሰናይን ጽቡቕን ከከም ኩነት ዝቀያየርን ብኩነትን እዋንን ዝምዘንን ኰነ፡ ስዚህ እቲ ጽቡቕን ሰናይን ኣብ ተዛማዲ ባህሊ ክሳዃዕ ተገብረ። ሰብኣዊ ፍጥሩ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓልዔ።

ተቓውሞ ጸረ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ጀርመን ከተማ ከለን ኣብ 1989 ዓ.ም. 15 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ዝፈርምዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ጠቒሶም፡ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝቃወምን ጸረ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምንባሩ ኣውን ከም መእተዊ ሓቢሮም፡ ኣብቲ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ዕብየት ሓቂ ዘርእስቱ ኣብ 1993 ዓ.ም. ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ንንባብ ዝበቕዓሉ እዋን ስዒቡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ናብ ሰናይነት ክቕየሩ ዘይክእሉ ተግባራት የረድእ፡ ኣብ መንጐ ሓቕን ሓሶትን ዘሎ ደረት ዘጥፍእ ባህሊ ተነቓቕሔ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጻረርን ብፍላይ ኣብ ግብረ ገባዊ መዳይ፡

ሳዕቤናቱ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ እቲ ሶውራ ጾታዊ ስምዒት ኰነ እቲ ጸረ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ከይድን ተዛማዲ ባህልን ኩሉ ኣብ ሕንጸት ውሉደ ክህነትን ካህናትን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከምዝነበሮን፡ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ይብዛሕ ይውሓድ ብግልጺ ወይ ብሕቡእ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝኽተሉን ዝነብርዎን ዳርጋ ዝራኸብሉ መእክቢ ኰነ፡ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ዅሉ ሓበሬታ ኰነ ኣፍልጦ ኣይነበራን ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ብጌጋ ብምርድእ ክንየው ትውፊትን ባህልን ንምኽሓድ ተደልየ፡ ብግልጺ ክሳብ ናይ ዓለም ዝዀነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምሕናጽ ተፈተን፡ እዋናውነት ዳርጋ ናይ ዓለም ምዃን ዝብል ትርጉም ተወህቦ፡ ብዙሕ እውን ተፈተነ።

ምላሽ ቤተ ክርስትያን ንወሲብ ዓመጽ

ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝብል ጉዳይን ዝተፈጸሙ ገበናትን ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት እዩ ዝተጋህደ ጐሊሕ ዝተራእየ፡፡ ብፍላይ እቶም ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዘቕርብዎ ክሲ ኰነ ነቶም ተሓተቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ንምሃብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምድንጓይ ተራእዩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ ጌጋ ከይፍጠርን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ምጽራይ ስልጣን ንናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሃቡ፡ ንተሓተትቲ ግቡእ ፍርዲ ክሳብ ምሃብ ዝብል ሓላፍነት ዘጠቓልል እውን እዩ፡ ምስጢረ ክህነት ዝተቐበሉ ዝተሰረዓሎም ምስጢረ ክህነት ክሳብ ምሕኻኽ ዝብል ውሳኔ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዘለዎ ኰይኑ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ዝተመስረተ ይኸውን፡ ክሳብ ማዕረገ ክህነት ምቕንጣጥ ዝብል ውሳኔ ተበጽሀ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎ ሕዳሴ ግልጺ እዩ፡ ጉዳያት ብዕምቆት ምጽራይን ብቕልጡፍ ግቡእ ውሳኔ ምትሕልላፍ ዝብል እዩ፡

ፈውሱ ንናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻ ምሕዳግ እዩ

በነዲክቶስ መበል 16 ከም ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕን ግቡእን መልሲ ኣብ ዝብል ኣተኵይሮም፡ ፈውሱ ቅድም ቀዳድም ቤተ ክርስቲያን ኰነ መላእ ዓለም ንናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምሕዳግ ዝብም ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ እቲ ቐዳማይን ፍቱንን ፈውሲ እዩ፡ ብዘይ እግዚኣብሔር ዝነብር ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ዝህቦን ዘመሓላልፎን ሕጊ፡ ሕገ ሓያላን እዩ፡ ስልጣን እንኰ መምርሒ ይኸውንን፡ እዚ ኸኣ ሓቂ የወግድን፡ ሓያል ዝብሎ ኵሉ ቅኑዕ ይዅን ኣይዅን ብዘየገድስ ሓቂ ከይኑ ይቐርብን ይስበኽን።

ኣብ ምዕራብ ዓለም እግዚኣብሔር ተረስዔ፡ ናይ ሰብ መምዘንን ማዕቀንን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ተፈጥረ፡ እዚ ኸኣ እቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘዕንውን ክፍኣትን ዝጐድእ ባህሊ እዩ፡ ንምግጣሙ ናብቲ ናይ ሕይወት ኣናስርን መሰረትን ዝዀነ እግዚኣብሔር ምምላስ የድልይ። እምነት ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ናይ ክርስቶስ ስቓይን ትንሳኤን ብጥልቂ ምርዳእን፡ ቅዱስ ቁርባን ከይነሕስር ምጥንቓቕ የድሊ፡ እምነት ኣብ ቅዱስ ቁርባን።

ብኣና እትመሃዝ ቤተ ክርስቲያን ኣይተድልየናን እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣይኰነትን፡ ሰብ ዘቖማ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ እተቕርብ ክትከው ዘይከኣል እዩ፡ ኣንሕና ኢና ብኣኣ እንሕቆፍ፡ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን መምዘኒ ገርካ ምቕራብ ዓቢይ ጌጋ  እዩ፡ እቲ ገማማዕን ፈላላይን ዝዀነ መንፈስ ሓሶት ምብትታን እዩ ዝደልይ፡ ኣብኡ ሓቂ የሎን ኩሉ ሓደ እዩ፡ ቅኑዕን ክፉእን የሎን የብል፡ ሎሚ እውን እንተዀነ እታ ቅድስቲ ዝዀነት ብማንም ዘይትፈርስ ቤተ ክርስቲያን ህልውቲ እያ፡ ካብ ቀደም ብዝያዳ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ሰማዕታትን ዝሳደዱን ዝሳቐዩን ብዙሓት ሕያው እግዚኣብሔር ዝምስክሩ ሰማዕታት እምነትን ኣደ እያ።

ራትዚንገር ጽሑፎም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድን ቅድሚ ምክሳቱ ኣብ ምክልኻል ዝብል ጻዕሪ የበራትዑን ኣብዚ መዳይ እውን ብዙሕ ውሳኔታት ይህቡን መገድታት እውን ይሕብሩ ኣለዉ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ገበን ጽኑዕን ግቡእን ፍርዲ ክወሃቦ ኣብ ምግባር ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ጠቒሶም ብምምስጋን የጠቓልሉ።

በነዲክቶስ መበል 16፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ቅልውላው ንምስናፍ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ
12 April 2019, 16:52