ምዝዛም ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ክንክን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት ምዝዛም ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ክንክን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት 

ምዝዛም ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ክንክን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት

ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይ ኣብቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍው መልእኽቲ ኣስሚዖም

ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለዩ መደባት ብምጽዳቕ ዕለት 8 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምዘጠናቐቐን ምዝ ዝተፈላለዩ ናይ ኵርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያውያን ምሕደራ መዋቕራትን ምስ ዝተፈላለያ መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ዝካየድ ዘተ ቀጻሊ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ገና ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ምልስ ቢሉ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ፍጻሜ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቶም ናይ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ነቲ ናይታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ንመላእ ዓለምን ክንህቦ እንኸል ብሉጽን ውጽኢታውን መልሲ ለውጢ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ሓባር ለውጥን፡ ነቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብትሕትና ጽን ምባልን ምድጋፍን ምክልኻልን ካብኦም ብትሕትና ናይ ምምሃርን ተግባር እዩ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፥

ጽን ምባልን-ምስማዕን ምምሃርን

እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 5 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ሓንቲ ካብ ትሕተ ሰሃራ (ደቡባዊ ሰሃራ) ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጻ ኣሪቃዊት ኣደ ኣብ ንኡስ ዕድመኤን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀና ዝሃበኦ ቃል ምስክርነት ብምስማዕ ዘበገሶን ቃል ምስክርነ ኣደዳ ዝዀነ ጽን ምባልን ብትሕትና ምስትውዓልን ካብኣቶም ትሕት ቢልካ ምምሃርን ዘለዎ ኣገዳስነት እቲ ዓስራይ ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ክንክን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት ኣመላኺቱ ቅዱስ ኣቦና ስቓይ ናይቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ምባልን ንኣኣቶም ምስማዕን ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብኣቶም ካብ ዝቐርብ ተመክሮ ብዅሉ ደረጃታት ክሰፍሕን ኣብ ምትግባር ንዘካይዶ ጻዕሪ ዓቢይ ድጋፍ እውን ምዃኑ ዝሃብዎ ለበዋን ብፍላይ ብኣባላት ውሉደ ክህነት ክፍጸም እንከሎ ንቤተ ክርስቲያንን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ምስክርነት እውን ዓቢይ ዕንቅፋት እዩ እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ዝተኻየደ ምዃኑ ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዝወጸ መግለጺ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምድጋፍን ምክልኻልን

ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይ ኣብቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍው መልእኽቲ ኣስሚዖም፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ሕጊ ኰነ ፍኖተ መርሓ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ቃል ምስክርነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑን እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብሰፊሕ ኣብ ኩለን ሰበኻታት ክትግበር ከምዘለዎ ከምዘዘኻኸረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ምናባዊ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝሓቝፍ ናይ መማክርት ጉጅለ ክፍጠርን ካብቶም ኣደዳ ዝዀነ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ዝነቅል ቃል ምስክርነት ኵላዊ ባህሊ ምስፋሕን እዚ ከኣ ኣብ ብራዚል ዛምቢያ ፊሊፒንስ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘሎ ተመክሮ ዝተወስደ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ስዒቡ እውን ካብ ዝሓንጸጾ መደባት፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሊቃውንቲ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጸገማትን ኣማእኪሉን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ንዝብል ዕላማ ዝድግፍ ዓውደ ጉባኤ ክህሉን፡ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝድግፍ ኣብ ግብሪ ክውዕ ዝግብኦ መርሓ ፍኖት ናብ መላእ ሃገራት ናብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕልላፍን፡ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘተኰረ መደብ ሕንጸት ምዝርጋሕን፡ ዝብል ካልኦት መደባት እውን እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዝሓንጸጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ጳጳሳዊ ሓልዮ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ምዃኑ የዘኻኽር።

ምዝዛም ሓፈሻዊ ምልኣተ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ክንክን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት
09 April 2019, 17:39