ሮንካሊ ኣብ ቡልጋርያ፥ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መጋበርያ ሕያውነትን ልግስን እዩ ሮንካሊ ኣብ ቡልጋርያ፥ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መጋበርያ ሕያውነትን ልግስን እዩ 

ሮንካሊ ኣብ ቡልጋርያ፥ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መጋበርያ ሕያውነትን ልግስን እዩ

እዚ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ስቱር ቤተ መዝገብን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝርከቡ መዛግብቲ ብዕምቆት ብምፍታሽ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋሪያ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ’ዚ ደሓር ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ዝተሰምዮ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23፡ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ጁዘፐ ሮንካሊ ኣብታ ሃገር ካብ 1925 ክሳብ 1934 ዓ.ም.ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከምዘገልገሉን፡ እቲ ኣብ ቡልጋርያ ዝነበርዎን ዝመስከርዎን ሰናይነትን ሓልዮትን ልግስን ኵላውነት ለቢሱ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኰይኑ ከምዝሰፍሔ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ካብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መበል 44 ዓመት ዕድመኦም ኣንጀሎ ጁዜፐ ሮንካሊ ዕለት 25 ሚያዝያ 1925 ዓ.ም. ኣብ ሶፊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ከምዝተላእኩን፡ ካብ ናይ መንግስቲ ኰነ ካብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያ ተክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ቡልጋርያ ሰናይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብዅሉ ፍቱው ኰይኖም፡ በቲ ዝነበሮም ጥልቂ እምነት ብዝነቐለ ልበ ምሉእነት እናገጠሙ ዘቕርብዎ ዝነበረ ሓሳብን ርእይቶም ብዅሉ ተቐባልነት ከምእተዓደሎን ድሕሪ ሳላሳ ዓመት እቲ ዅሉ ዝነበሮም ድላይ ዝተሓደሰት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጸዊዖም ብኵላውነት ደረጃ ክረጋገጽ ዝገበሩ ምዃኖም ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ተኣዝዞን ሰላምን

ኣብ 2016 ዓ.ም. ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቡልጋያን ዝተጀመረሉ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ኣብ ቡልጋርያን ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ሓልዮ ልኡኽን ኣብ ኢጣሊያ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥባብ መምህርን ተወላዲ ቡልጋርያ ኪሪል ፕላመን ካርቶሎፍ ብዋና ኣሰናዳእነት ዝመርሕዎ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እዚ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ስቱር ቤተ መዝገብን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝርከቡ መዛግብቲ ብዕምቆት ብምፍታሽ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሮንካሊ (ዮሓንስ መበል 23) ዝነበርዎን ዝፈጸምዎን ርክባትን ውጽኢታቱን ኵሉ ዝተንተነ ምጽሓፍ ክኸውን እንከሎ፡ ተኣዝዞን ሰላምን ዝብል ዝሓረይዎ ናይ ጳጳሳዊ መንፈሳዊ መርሕ ቃል፡ ዝተግበሩ ምዃኖም ኣብቲ መጽሓፍ ተመልኪቱ ይርከብ።

እቲ ኣብ ቡልጋርያ ዝተላእከ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ዋላ’ኳ ብናይ ሓዋርያዊ ልኡኽነት ተረጃ ዝግለጽ ኣይንበር፡ ብሓዋርያዊ ልኡኽነት ደረጃ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቡልጋያ ክህሉ ናብ ቅድስቲ መንበር ኰነ ናብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር መልእኽቲ የመሓላልፉ ከምዝነበረን፡

ርጉእን ጥበብ ዝዓሰሎምን

ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ናብ ቅድስቲ መንበርን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር መልሲ ስለ ዘይተወሃቦ ደጊሞም መልእኽቲ ይጽሕፉን፡ እዚ ነታ ኣብ ቡልጋርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምትብባዕን ምእንቲ ንናይ ቡልጋርያን መላእ ሕዝባ ረብሓን ኣብ ዝብል ዕላማ ጸኒዖም ዘመሓላልፍዎ ዝነበረ መልእኽቲ ምዃኑ ኣብታ ኣብ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዝበሎ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ህርኵት ጻዕሪ

ሮንካሊ ነታ ኣብ ቡልጋርያ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምንቕቓሕ፡ እዚ ምንቕቓሕ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ታሪኽን ውግእን ዘስዓቦን ቅልውላን ድኽነትን ኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ኰይኑ ብናይ ሓልዮትን ልግስን ኣኽናፍ ዝተመርሐ ምንባሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ቡልጋርያ ሰዓቢት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክትከውን እንከላ፡ ሮንካሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስን ልኡኽን ምሉእ ተቐባልነትን ተደናቕነትን ዝተወሃቦም ኰይኖም፡ ኣብ ቡልጋርያ ህልውናኦም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ነጸብራቕ ኰይኑን ብፍላይ ከኣ ኣብ 1931 ዓ.ም. እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት ስልጣን ክብ ምስ በለ  ሊቀ ጳጳስ ሮንካሊ ናብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ስሜት ክብ ብምባሎም ኣብ መላእ ቡልጋርያን ኣብ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓሴት ከምዝፈጠረ ክምልከት እንከሎ፡

ብፁዕ ኣቡነ ሮንካሊ ኣብ ዝተወለዱላ ክፍለ ሃገር ኢጣሊያ ንዕረፍቲ ምስ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤት እንከለዉ ዕለት 23 ጥቅምቲ 1931 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ሕዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቡልጋርያ ብምሉእ ስልጣን ምስያሞም ምስ ተሓበሩ፡ ብጀካ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ መልእኽቲ ብውልቆም እውን ንናይ ቡልጋሪያ ንጉስ ቦሪስ ሳልሳይ ባዕሎም ብዝጸሓፍዎ መልእኽቲ እውን ከምዝሓበርዎምን እዚ ኸኣ ምስ ሕዝብን መንግስትን ኦቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋያን ዝነበሮም ፍልዩ ተፈታውነትን ተቐባልነት ዝምስክር ምዃኑ ደ ካሮሊስ ነታ ናይ 2016 ዓ.ም. መጽሓፍ ጠቒሶም የዘኻኽሩ። ምስ ናይ ቡልጋርያ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጽቡቕ ቅርበትን ምሕዝነትን እውን ከዝነበሮም ናይ ቡልጋርያ ኰነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ነቲ ዝነበረ ምልልዋጥ መልእኽትን ናይ ርሑስ በዓላት መግለጺ መልእኽቲ ተወኪሱ ከምዘረጋግጾን፡ … ካብ ቡልጋርያ ናብ ኢስታምቡልን ደሓር እውን ናብ ግሪክ ዝተቐየሩ ናይ መጻኢ ር.ሊ.ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ሊቀ ጳጳስ ሮንካሊ ንቡልጋያ ካልአይቲ ቤተይ ቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ኣቢሎም ካብ ቡልጋርያ ክዛወሩ ሓዘን ከምዝስምዖም ገሊጾም፡ እቲ ንቡልጋያ ዘለዎም ፍቕሪ ከም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትልእዀም ስፍራ ኵሉ ካብ ልቦም ዘይፍለይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶ የረጋግጹ ከምዝነበሩ ደ ካሮሊስ ነታ ናይ 2016 ዓ.ም. መጽሓፍ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ጽሕፉ የጠቓልሉ።

ሮንካሊ ኣብ ቡልጋሪያ፥ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መጋበርያ ሕያውነትን ልግስን እዩ
23 April 2019, 16:49