ሩፊኒ፡ ኣፍሪቃ በቶም ዓበይቲ ኣምረትቲ ብዝብሕትዎ ዕዳጋ ከይትጉዳእ ሩፊኒ፡ ኣፍሪቃ በቶም ዓበይቲ ኣምረትቲ ብዝብሕትዎ ዕዳጋ ከይትጉዳእ 

ሩፊኒ፡ ኣፍሪቃ በቶም ዓበይቲ ኣምረትቲ ብዝብሕትዎ ዕዳጋ ከይትጉዳእ

ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣፍሪቃ ዘቕርቦም ዓበይቲ ብድሆታት ናይ መልእኽቶም ማእከል ገይሮም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ምህርቲ ናብ ሓደ መመደሪ ቅርጺ ዘብል እናዀነ ዝመሓላለፉ ዜናታትን ምስልታትን ኩሉ ምእኩል ዝገብርን ካልኦት ዕደ ጥበባውያን መሳለጥያ ዘቕርብኦ ምህርቲ ሓበሬታ ኰነ ምስልታት ኣብ ጠርዚ ዝሓድግ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ናብቲ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝተጀመረ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ጠቕላሊ ጉባኤ ውድብ ዝርጋሔ ራዲዮ፥ ሓደስቲ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሃን ብድሆታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፡ እቲ ሓድሽ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ተራኽቦነትን ዘተን ዘለዎ ጽዋል ዝትንትን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሞርኮ ከተማ ማራከሽ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝተበገሰ ንናይ ኣፍርቃ ፈነወታት ረድዮ ብድሆታትን ተስፋታቱን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር መበል 12 ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ጠቕላሊ ጉባኤ ናይ ኣፍሪቃ ውድብ ዝርጋሐ ፈነወ ራዲዮ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሓንን ጽልዋታቱ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ምስማዐ ርእየት ኢንዳስትሪ ብሰፊሕ ናብ ዝድህስስ ጠቕላሊ ጉብኤ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕበር ዝርጋሐ ፈነወ ረድዮ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቅድም ቀዳድም ንተጋባእያን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታ አመሓላልፍ ቢሎም፡ ነቲ ልዕሊ 53 ማሕበራት ዝሓቁፍ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃ መደብራት ረዲዮን ቫቲካን ረዲዮ ኣውን ብኣባልነት ዝሓቑፍ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፡

ኣፍሪቃ በቶም ዓበይቲ በሓትቲ ከይትጉዳእ

ዶክተር ሩፊኒ፡ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣፍሪቃ ዘቕርቦም ዓበይቲ ብድሆታት ናይ መልእኽቶም ማእከል ገይሮም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ምህርቲ ናብ ሓደ መመደሪ ቅርጺ ዘብል እናዀነ ዝመሓላለፉ ዜናታትን ምስልታትን ኩሉ ምእኩል ዝገብርን ካልኦት ዕደ ጥበባውያን መሳለጥያ ዘቕርብኦ ምህርቲ ሓበሬታ ኰነ ምስልታት ኣብ ጠርዚ ዝሓድግ ኰይኑ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፡ እቲ ኣቕርቦት ምህርቲ መራኸቢ ብዙሃንን መደባት ምልውዋጥን ንኣፍሪቃ ዓቢይ ብድሆ ከይኑ ከምዘሎን፡ እዚ ጥራሕ ከይኣክል ንኣብነት ናይ ደራሲ በዓል መሰል በዓል ንብረትነትን ወይ ናይ ኣምራቲኡ መሰል ዋንነት ዝጥሕስን ወይ እቲ ንብረት ብትሑት ዋጋ ክቐርብ ዝገብር ከይኑ ኣሎ፡ ስለዚህ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ምምራትን ዝርጋሔኡን ከይዲ ዳግም ክሕሰብ ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ ኢሎም። ኣፍሪቃ በዚ ሓድሽ ዓይነት በሓትቲ ዕዳጋ ከይትጉዳእን ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ኣፍሪቃ እውን ተጽእኖ ክይህልዎ ምድጋፍ የድሊ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ካብ ዘይምትእምማን ምጥቃቕ፡ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሓን ርክባት እውን ዝጸልው እዩ

ዶክተር ሩፊኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣገዳስነት ሰብኣዊ ኵርናዕ እውን ኣማእኪሎም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መረብታዊ ተበጽሖ ብዙሕ ነገር ንምፍላጥ በሪ እውን እንተዀነ ንኢሓበሬታን ናብ ዝምባዐ ክውንታውነት ዘቃልዕ ኰይኑ ከምዘሎ ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ምትእምማን ከይሁሉ ዝድርኽ ይኸውን ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡  ሰብ ብባህርይኡ ተራኻቢ እዩ፡ ስለዚህ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ልዕሊ እቲ ባህርይ ተራኻብነት ሰብ ዓቢይ ጸቕጢ የሕድር ኣሎ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብቲ ንሓቂ ዘርእይ ሓድ ሕዳዊ ምስምማዕን ንዘተ ክፉታት ምዃንን ከነተኵር ይግብኣና፡ ጋዜጠይናታት ኣናደይቲ ሓቂ እምበር በቲ ቅቡልን ልሙድን ዝበሃል ሜላ ከይተታለሉን ብደጋዊ ናህሪ ከይተሳሕቡ ክዓዩ ዶክተር ሩፊኒ ኣብ መልእኽቲ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዲኒኒ ሓቢረን።

ሩፊኒ፡ ኣፍሪቃ በቶም ዓበይቲ ኣምረትቲ ብዝብሕትዎ ዕዳጋ ከይትጉዳእ
28 March 2019, 17:23