ድለ

ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ 

ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ

ሃይማኖታት ኣብ ዓለም እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቀባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሸቶኡ ክወቅዕ ዘለወን ግደ ዓቢይ ብምዃኑ ነዚ ኣበርክቶኤን ዘለልይን ዘነጽርን ዓውደ መጽናዕቲ

ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ዕለት 7 መጋቢት ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ምርግጋጽ ዘለወን ኣስተዋጽኦ ንምልላይ ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክካየድ ምዃኑ፥ ናይ ኵለንተናዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮዶዎ ኣፒያ ቱርክሶንን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሬ ዱፈን ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ውድብ ናይ ስነ ምህዳርን ብዙሕነት ስነ ሕይወትን ምዕባለ ከባብን ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ረነ ካስትሮን ናይ መላእ ማሕበር ደናግል ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ወሳኔ ቤት ምኽሪ ካልአይቲ ዋና ጸሓፊት እናቴ ሸይላ ኪንሰይ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘፍለጡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማርኰ ጒወራ ሓቢሮም።

ኣበርክቶ ሃይማኖታት ኣብ ምርግጋጽ ሸቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ንኽዳለው ምግባሩ ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቀባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሸቶኡ ክወቅዕ ዘለወን ግደ ዓቢይ ብምዃኑ ነዚ ኣበርክቶኤን ዘለልይን ዘነጽርን ዓውደ መጽናዕቲ እውን እዩ ከምዝበሉ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ኤኮኖሚ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከም መቕድመ ሓሳብ መዐቀኒ ኤክኖሚ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡ ከንየው ኤኮኖሚ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ማዕቅናት ክህልው ከምዝግብኦን በዚ መሰረት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ድኻታትን ህርኩት ጻዕሪ ከሳልጥ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እዩ።

ናይ ሃይማኖታት ግብረ ገባዊ ሓይሊ መሰረታዊ እዩ

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ እቲ ብውዱብ ሕብራት መንግስታት ዓለም ክብጻሕ ዝሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ከይድታቱ ንምጽብጻብ ዝኣመተ ዘይኰነስ፡ እቲ 190 ሃገራት ዝተቐበለኦ ዘመላኽቶ 17 ሸቶታት ክዋኔኡ ንምንቕቓሕን ናይ ሃይማኖታት ግብረ ገባዊ ሓይሊ እቶም ሽቶታት ብግብኡ ንምጭማት ኣገዳሲ ምዃኑ ንምሕባርን ብሓባር ኩለን ሃይማኖታት ብምንጽጻር ዘለወን ኣበርክቶ ፈልዩ ዘመላኽት ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሰመረሉ ጉወራ ሓቢሮም።  

ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ
06 March 2019, 16:55