ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ፡ ካርዲናል ፓሮሊን፡ እቲ ናይ ተበገስ መንፈስ ምንቕቓሕን ብርግዓት ምዕያይን

ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዘዳለዎ፥ ዕለት 7 መጋቢት ዝተኸፍተን ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ ዝመክር  ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ዝተበገሰ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምብጋስን ተበጽሖታቱ ኩሉ ንምዕታር፡ ዕለት ብዕለት እቲ ኣብ ፈለማ ብጋሴኡ ዝነበረ ውዑዉዕ ምንቕቓሕ ዳግም ህልው ምግባርን ብህድኣት ብሓባር ምዕያይ ኣገዳሲ እዩ ብዝብል ሓሳብ ኣፈሊሞም፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ዘተ፡ ኣብ ምርግጋጽ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዝተፈላለያ ሃማኖታት ዘለወን ኣበርክርቶ ፈልዩ ዘመላኽትን ካብኡ ሓሊፉ እቲ መደብ ልምዓት ዘንበሮም ሸቶታት ክዕተር ዝሕብሩ መገድታት እውን ዝሕብር ምዃኑ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ክሳተሊ ኣስዒበን፡ ነዚ መደብ ልምዓት ኣብ ምፍጻሙ ዝግበር ከይዲ ኵንት ተስፋ ምቑራጽ ዝረአይ ከምዝመስልን እቲ ክሳብ ሎሚ ብግብሪ ዝተኸወኑ ምስቶም ዝተነብሩ ትጽቢታት ዘይመዓራረይ ኰይኑ ስለ ዝርአይ እዚ ኸኣ ገና እቲ ሸቶ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ከይተበጽሔ ንቕድሚት ንዘይምባል ዝድርክ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣተሓሳሲቦም ካብዚ ፈተና ተስፋ ቁርጸት’ዚ ንምልቓቕ ናብቲ እቲ መደብ ንምሕንጻጽ ዝደረኸ ውዕዉዕ መንፈስን ጽቡቕ ድላይን ምምላስን ነዚ መንፈስ’ዚ ዳግም ህያው ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ሓቢረን።

ዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም.

እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ተበጻሒ ክኸውን ብዝብል ሕላነ ዝተበገሰ ዝክረ ነገር ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ንፍጥረት ሰብን እንነብረሉ ዓለምን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ብሉጽ ሕይወትን ንምኽዋን ብዝብል ውሳኔ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብ 193 ኣባላት ሃገራት ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 17 መባጽሕ ኣንቢሩ ስምምዕ ዝተገበረሉ መደብ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ ንኣብነት ሓደ ካብቲ ዘንበሮም ሸቶታት ድኽነትን ብከላ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ምውጋድን ዝብሉ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጕይክሶት ኣብቲ ዓውደ ዘተ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ሰላም ንክኸላኸሉ መታን ናይ ሰላምን ፍትሕን ሓልዮትን ጽባቔን ሰብኣዊ ሕውነትን ዝብሉ ዕሴታት ከስፍሑ ጽዉዓት እያቶም ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ሕልና ካብ ናይ ሃይማኖት ዕሴታትን ገዛእ ርእሱ ብምርሓቑ ምኽንያት ዝተኣታተው ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ምስሓት ዘንቅሎ ናይ እዋናዊ ዓለም ቅልዋላው ንምስናፍ ወሳኒ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኦድኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን፡ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብከላ ከባቢ ኣየር ንኽንክይን ንሓዋሩ ንኸይሁሉ ዝግበር ጻዕሪ ብይጽናሓለይ ዘይሕደግ ሓላፍነት እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ምክንኻን ሃብቲ ማይ፡ ስለዚህ ማንም ድሕሪት ከይተርፍ ኩሉ ብሓባር ንቕድሚ ዘሰንይ መደብ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ከምዘሰስመሩሉ ካስተሊ ሓቢረን።

ኣስርቱ ቃላትን ተፈጥሮን

ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ዘተ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሽማግለ ናይ ኣይሁድ እምነት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ መምህር-ራባይ ዳቪድ ሮሰን፥ ኣስርቱ ቃላት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኪደትን ጠባያቱን ዘመስርቕ እዩ፡ ታልሙድ ማለት ናይ ትምህርቲ ኣይሁድ ሃይማኖት መጻሕፍቲ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ናይ ምዕናው ተግባር ከይፍጸም የተሓሳስብ፡ ናይ ተፈጥሮ ይዅን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ዓይነት እንስሳ ግብረ ዕንወት ከይፈጸ ይምዕድ፡ ብሃይማኖታት ቅዱስ መዓልቲ ዝብል ናይ ዕረፍት እዋን ንመንፈሳውን ስነ ምግባራውን ሚዛን ክሕለው ዝድግፍ ምዃኑ ዘተሓሳስብ መደረ ከስምዑ እንከለዉ፡ ካብ ሊባኖስ ናይ ሱኒን ሃይማኖት ምስልምና ቤት ፍርዲ ሳኢዳ ኣባል ሻይክ ሞሓማድ ኣቡ ዛይድ እውን ብወገኖም፡ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ዘሎና ርክብ ማዕቅን እዩ፡ ምስ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዘሎና ርክብ ቢልና እንሓስቦ ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ሚዛን የሕልው ቢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮ ናይ ጽባሕ ትውልዲ ሕሳበት ዝተነብሮ ክኸውን ከምዘለዎ ዘረድእ መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ካስተሊ ኣስዒበን፡

 ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ እዩ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ክቡርነቶም ማርቲን ዩንገ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ክቡር እዩ ዝብል ሓሳብ ምስ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘለዎ ምትእስሳር ኣብሪሆም፡ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክዝንጋዕ የብሉን፡ እንተዘይኰነ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ክተርፉ እዮም፡ ብዙሓት ደቀንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ዓለም መጻኢ ሕይወቶም ተመንዚዖን ኣብ ጽንኩር ኩነት ከምዝወድቑ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ መደረ ከምዘስምዑ ገሊጸን።

ኤኮኖሚ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከም መቕድመ ሓሳብ መዐቀኒ ኤክኖሚ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡ ከንየው ኤኮኖሚ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ማዕቅናት ክህልው ከምዝግብኦን በዚ መሰረት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ድኻታትን ህርኩት ጻዕሪ ከሳልጥ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘንበረ እዩ።

ናይ ሃይማኖታት ግብረ ገባዊ ሓይሊ መሰረታዊ እዩ

እቲ ብውዱብ ሕብራት መንግስታት ዓለም ክብጻሕ ዝሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ከይድታቱ ንምጽብጻብ ዝኣመተ ዘይኰነስ፡ እቲ 190 ሃገራት ዝተቐበለኦ ዘመላኽቶ 17 ሸቶታት ክዋኔኡ ንምንቕቓሕን ናይ ሃይማኖታት ግብረ ገባዊ ሓይሊ እቶም ሽቶታት ብግብኡ ንኽብጽሑ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምሕባርን ብሓባር ኩለን ሃይማኖታት ብምንጽጻር ዘለወን ኣበርክቶ ፈልዩ ዘመላኽት እዩ።

 

08 March 2019, 17:19