ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ መንጐ ተዘክሮን መጻእን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ መንጐ ተዘክሮን መጻእን 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ መንጐ ተዘክሮን መጻእን

ኣብ ዝሓለፉ 36 እዋርሕ እቲ ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝምራሕ ናይቲ ማሕበር ኣባል ኣባ ስፓዳሮ ብዋና ኣሰናዳእነት ዝመርሕዎ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙንዊ መጽሔት 25 ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ከምዘቕረበ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምጽናዕቲ ዘረብ ዘስምዑ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣዘኻኺሮም

ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ብውግዒ ንንባብ ናይ እትበቅዕ ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ክዝገብ ዘለዎ መጻኢ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተደርሰ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቀጻልነትን ድራኼን ናብ መጻኢ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ህላዌ ካቶሊካውያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ስጓሜታትን ዝተኸፍቱ ጸገማትን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆታትን ዝምልከቱ ነጥብታት ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ሰፊሕ ትንታነ ከዝሃቡሉ ክፍለጥ እንከሎ እቲ መጽሓፍ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቤቲ ዝተበጽሐ ሓድሽ ግዚያዊ ስምምዕ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ውዕሊ መሰረት ብዝምልከት ዓውደ መጽናዕቲ ምይይጥ ከምእተገበረሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሉዊሳ ኡርባኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ 36 እዋርሕ እቲ ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝምራሕ ናይቲ ማሕበር ኣባል ኣባ ስፓዳሮ ብዋና ኣሰናዳእነት ዝመርሕዎ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙንዊ መጽሔት 25 ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ከምዘቕረበ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምጽናዕቲ ዘረብ ዘስምዑ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊ መጽሔት ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተ ዘረባ ከምዘስምዑ ኡርብኒ ሓቢረን፡ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ፥ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና ነዊሕ ተዘክሮ ዘለዋን ካብዚ ተዘክሮ ዝነቐለ መጻኢ ኣብ ቻይና ብመንጽር እቲ ኣብ መንጐ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ፐኪንግ ዝተፈረመ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዘበግስዎ ሓድሽ ኣንፈት ዝምራሕ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጉዕዞ ኣብ መንጐ ተዘክሮን …

ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ይብሉ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዝህልው መጻኢ ንክትገልጽ እቲ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ካብ ጥንቲ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ምስትውዓል የድሊ፡ ስለዚህ ዝሓለፈ ታሪኽ ምዝካር ወሳኒ እዩ ቢሎም፡ ኣብ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ቻይና ተመክሮ ክገልጹ እንክለዉ፡ ኣብ 1982 ዓ.ም. ናይ ሰበኻታት ስቓይ ኣብ ቻይና ዝገልጹ ካብ ጳጳሳት ቻይን ናብ ቅድስቲ መንበር ብብዝሒ መልእኽቲ ይመሓላለፍ ከምዝነበረን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ምስ ሓዋያዊ መንበር ር.ሊ.ጳ. ምትእስሳር ዘለዋን እታ ናይ ቻይና መንግስቲ ኢደ ኣታውነተ ኣብ ሃይማኖት ቅቡል ዝበለት ብሔራዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ንኽልተ ተገሚዓን እታ ምስ ሓዋርያዊ መንበር ምትእስሳር ዘለዋ ሕጋዊት ክነሳ ዘይሕጋዊት ተባሂላ ብሕቡእ እትነብር ንምዃን ከምእተግደድ የዘኽኽሩ፡ ሓዋርያዊ መንበር ብዝተፈላለየ መገዲ ቅርበቱ ኣይነፈገን፡ ምስ መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥሙራትን ተኣዘዝትን ኢና ይኹን ደኣ እምበር ብዘይ ፍቓድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መንግስቲ ብግዲ ንዝህቦ ማዕርገ ጵጵስና ሕራይ ንምባል ዝተገደድና ኢና ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ጳጳሳት ቻይና ዘመሓላልፍዎ ዝነበረ መልእኽቲ ብዙሕ ግዜ ዝስመረሉ ሕሳብ ከምዝነበረ ኣውን የዘኻኽሩ።

… መጻእን

እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዝተበገሰ ጐደና ዘተ ዓሚይቕን ሰፊሕ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይንና ንመላእ ሕዝቢ ቻይናን ረብሓ ዘተኰረ ስምምዕን ዘተን እዩ ከምዝበሉ ኡርባኒ ሓቢረን።

ኣገዳስነት ዕርቅን ልልያን

ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ፥ ኣብ ጭቡጥ ህልው ኩነት ጸኒዕካ ነቲ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ዝካየድ ዘተ ትንታነ መሰረት ብዛዕባ መጻኢ ክትዛረብ እቲ ዘተ ኣብ - ብህልውትናን ዕርቅን ዝብል ክልተ ኣምር ዘተኰረ ስለ ዝዀነ እዩ ቢሎም፡ ምስቲ ቻይና እትውክሎ ክሉ ምጽብጻብ ኣገዳሲ እዩ እንተዘይኰነ ኣብ ዕርቂ ንቕድሚት ንምስጓን ዝከኣል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ዕርቂ ኣብ ውሽጢ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወሳኒ እዩ፡ ነቶም ኣብ ምግምማዕ ዝተፈጥሩ ኣቛሳል ንምፍዋስ ዕርቂ ኣብ መሰረታዊ ኣዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ኡርባኒ ኣስዒበን፥

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቻይናን፥ ቀስ እናበለ ናብ ሓድነት ዘቕንዔ ከይዲ

ኣብ ዘመንና እቲ ብበነዲክቶስ መበል 16 ደሓር ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቕጽል ዘሎ ፍጻሜ እወታዊ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ መጽሓፍ ዝደረስዎ መቕድም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መጽሓፍ ምስቲ ንናይ ስልጣነ ዘተ ጉባኤ ቻይና ብዝብል ኣርእስቲ በቲ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተሰሙናዊ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያንን መንበረ ጥበብ ጆርጅታውንን ብሓባር ኣብ ዘነቓቕሕዎ ባህላዊ ኪደት ዝሳዅዕ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እቢሉ እቲ ናይ ኢየሱሳውያን መጽሔት ዘቕረቦም ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘጠቓለለን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቻይና ርክብን ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብክልትኤን ሃገራት ዝተበጽሔን ዝተኸተመን ናይ ሓባር ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘሎ ህልው ኩነት ዝድህስስ ምዃኑ ብፁዕነት ኣመላኺቶም፥

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና

ብፁዕ ካዲናል ፓሮሊን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ሸቶ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ቻይና፡ Salus animarum - ድሕነት ነፍሳትን Libertas Ecclesiae - ናይ ቤተ ክርስቲያን ናጽነትን ዝብል እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፡ ብናጽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ምብሳርን ነዚ ኸኣ ብማዕቅን ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን መቓን ዝብልን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና፡ መጻእተይና ወይ ወጻእተይና ኣይኰነትን ናይቲ ሕዝቢ ንቕሓትን ኵለንተናዊ ኣካሉን እያ፡ ስሙርን ንኹሉ ኣኽብሮት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዋ እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ነዊሕ ሽግርን ዘይምርድዳእን ስቓይን ብቅኑዕን ግዱስን ጐዳና ዘተ ኣቢሎም ካቶሊካዊ  ቻይና ብእውነተይና ባህሉን መንነቱን ኣቢሉ እምነት ክዝምርን ከመስግንን ኣብ ዘኽእል መዳይ ክበጽሕ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ሓሳብ እቲ ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።

ኣብ ስፓድሮ ኣብቲ ናይ ዕለት 25 መጋቢት ዓውደ መጽናዕቲ፥ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘርኣይዎ ዓቢይ ድላይ ዘተ ምስ ቻይናን ነዚ ስዒቡ በንዲክቶስ መበል 16 ሕቶ ቻይና ኣብ ልቦም ገይሮም ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም. ንካቶሊክ ማሕበረሰብ ቻይና ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት እዩ ምስ በሉ፡ ነዚ እወታዊ ብጋሴ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዘለዎም ተውህቦ ነቲ ዘተ ክሳብ ናብ ግዚያዊ ስምሞ ክብጽሕ ገይሮም እዮም ከምዘብሉ ኡርባኒ የመላኽታ።

ናይ ሓባር ዝክረ ነገር ኣብ መንጐ ኢጣሊያን ቻይናን

ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ መደረ ዝዛዘሙ፡ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ርእሰ ብሔር ዣን ፒንግ ኣብ ኢጣሊያ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕን ዝተበጽሑ ስምምዓትን ጠቒሶም፡ እቲ እብ መንጐ ቻይና ኢጣሊያን ዘሎ ርክብ ብዙሕ ተስፋ ዝተነብሮ ምዃኑ ሓቢሮም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ነቲ ናይት ናይ ሓባር ዘተ ካልኣይ ሕትመቱ ዝምልከት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምሕያል ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ቻይና ክኸዱ ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከምዝገለጹ ኡርባኒ ኣፍሊጠን።

27 March 2019, 17:57