ብፁዕ ኣቡነ ፓጋኖ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳትን መዛግብትን ብፁዕ ኣቡነ ፓጋኖ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳትን መዛግብትን  

ብፁዕ ኣቡነ ፓጋኖ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳትን መዛግብትን

ካብ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ክሳብ ዕልተ ዕረፍቶን ዘሎ ተክለ ሰብነት ዘነጽር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2020 ዓ.ም. ካብ ዕለት 2 መጋቢት ጀሚሩ እቲ ኣብ ስቱር ቤተ መዝገብ ቫቲካን ተዓቂቡ ዘሎ ዛዕባ ፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ዘበሉ ሰነዳትን መዛግብትን ንተመራመርቲ ክፉት ክኸውን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ውሳኔ ብዙሕ ግዜ ነቲ ዘይጥልቂ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ (ፒዮስ መበል 12) ላዕለላዕላዊ ዝወሃብ ሃያሲ ርእይቶ ኵሉ መልሲ ዝህብን መድሎ ብዝሓለው ብጥልቂ ኣገባብ እቲ ካብ 1939 ክሳብ 1958 ዓ.ም. ካብ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ክሳብ ዕልተ ዕረፍቶን ዘሎ ተክለ ሰብነት ዘነጽር ከምዝኸውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ፓጋኖ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብወግዒ ካብ ዕለት 2 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ክፉት ዝኸውን ንር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ሰነድ ካብ ዕለት 2 መጋቢት 1939 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ኰይኑ ዝተሓረዩሉን ክሳብ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዕረፍቶም ዕለት 9 ጥቅምቲ 1958 ዓ.ም. ዘሎ እዋን ዝምልከት እዩ፡ እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ብወግዒ ሎሚ ዕለት 5 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ንንባብ እውን ከምዝበቕዔ ገሊጾም።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ሰነድ ኣብቲ እቲ ከቢድ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ መዓተይና እዋን ውግእ ዓለምን ድሓርን ብዙሕ እዋን ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ ወይ ግዳማዊ ኩነት ጥራሕ ግምት ብምሃብ ዝንዛሕ ነቀፌታ ኵሉ መልሲ ዘውህብ ውሳኔ እዩ። ስለዚህ ብሓቂ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስጋና ይኹኖም ብትኽክል እቲ ዓቢይ ተክለ ሰብነት ፒዮስ መበል 12 ብንጹር ክስትውዓል እዩ፡ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ባዕላቶም ብቐረባ መጽናዕቲ ንኸካይዱን ውድን ዝዀነ ሓቅነት ዘለዎ ፍርዲ ንኽህቡ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ

http://asv.vatican.va/content/archiviosegretovaticano/it/consultazione/accesso-e-consultazione.html

ዝብል ኣድራሻ ድረገጽ ናይ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብብ ብምጥዋቕ ተመልከት።

ብፁዕ ኣቡነ ፓጋኖ፡ ብዛዕባ ምኻት ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳትን መዛግብትን ምኽፋት
05 March 2019, 16:13