ብርእየት ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ድህሳሰ ኣቀማምጣ ኵነት ኢማዕርነት ኣብ ዓለም ብርእየት ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ድህሳሰ ኣቀማምጣ ኵነት ኢማዕርነት ኣብ ዓለም 

ብርእየት ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ድህሳሰ ኣቀማምጣ ኵነት ኢማዕርነት ኣብ ዓለም

ናይቲ መጽሓፍ ቀንዲ መሰረት እቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብጀካ ቅዱስነቶ ምህዳርን ድኽነትን ማሕበራውን ዝብሉ ጉዳያት ኣጣሚሩ ኵነታት ዓለም ዘንበበን ዝተንተነን ማንም የሎን

ኣብ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ክፍሊ ራዲዮ ሕንጻ ፒዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ፡ ኢማዕርነት መልክዓ ምድሪ ኣቀማምጣ ብመንጽር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዝድህስስ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ላ ሳፒየንዛ መምህር ናይ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ሊቅ ብጂኖ ደ ቨኪስ ዝተደርሰን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ዕለት 5 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቖዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ መጽሓፍ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረታትን ስብከታቶምን ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ብዛዕባ ቅልውላው ዓለም ዝበለዎን ብፍላይ እቲ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ርእየት ፖለቲካ ዘይስዕብን ዘየዳምቕን ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ብህሎታትን ሓበሬታትን ወጻኢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነትን ናይ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብን ቅልውላውን ዘይምዕሩይ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ዓለምን ገሊኡ ብሃብቲ ዘዕለቕልቕ ገሊኡ ኸኣ ብስእነት ክሳቐን ዝገብር ከይዲ ዓለም ከይተሓለሉ መንቀሊኡ ንምሕባር ድምጾም ዘስምዑን ነዚ ድምጺ እዚ ብምስዓብ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ብምሃብ ዝትንትን መጽሓፍ ከምዝዀነ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡ እዚ ዓውሎማነት ዝዕብልሎ ዘሎ ዓለም ዘይተገዳስነትን ንብጻይካን ጐረቤትካን ሸለል ምባልን እውን ዕውሉም ይገብር ከምዘሎ ኣብቲ ነቲ መጽሓፍ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ኣባል ትስዓቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይቲ መጽሓፍ መቕድም ዝጸሓፉ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋ፡ ገሊጾም እቲ ዓለም ብርእየት ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ድህሳሰ ኣቀማምጣ ኵነት ኢማዕርነት ኣብ ዓለም  ኣብ ድኽነትን ብድኽነትን ምንባር ዝተገደን ዝግደድን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይቲ ዘይምዕሩይ ከይዲ ዓለም ውጽኢት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ደ ቨኪስ፡ ናይታ መጽሓፍ ኣስተንፍሶ ይሴባሕ ዘእርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ

ድኽነትን ስደትን ቅዱስ ኣቦና ንከይድን ኩነት ዓለምን ዘንብብሉ ህልው ኩነት ምዃኑ ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ደ ቨኪስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይቲ መጽሓፍ ቀንዲ መሰረት እቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብጀካ ቅዱስነቶ ምህዳርን ድኽነትን ማሕበራውን ዝብሉ ጉዳያት ኣጣሚሩ ኵነታት ዓለም ዘንበበን ዝተንተነን ማንም የሎን፡ ስለዚህ እቲ ቅልውላው ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ባህላውን ቅልውላው ሰብኣዊ ልብን እዩ፡ ገዓር ምህዳርን ድኻታትን ኣጣሚሮም ዘንበቡ እዮም፡ እቲ ከይዲ ዓውሎማነት ኣብዚ ቅልውላው ውሱጥ ክኸውን እንከሎ፡ ማዕረ ማዕረ ዘይተገዳስነት እውን ዓውሎማዊ ይገብር።

ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቀ ካልዲኽ በናገስ፡ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ንምሕሳብ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስትውዓል

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ መምህር ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኑሪያ ካልዱኽ በናገስ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝግለጹ ኣበውን ስደትን ዝብል ማሕበራዊ ኵነት ኣተሓሒዘን ብምንባብ፡ እቲ ኩነት ኣበው ቅዱስ መጽሓፍ ባህሉን እዋኑን ዝሕዞ ስፍራን ሕሉፍ ታሪኽ እውን እንተዀነ እቲ ክስተት ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝረአይን እዩ፡ እቲ ናይቲ ስደት ምኽንያት ተመሳሳሊ እዩ፡ ኣብ ኦሪት ጋሻ ቁርባን እዩ ዝነበረ፡ ብሩኽ እዩ ነይሩ፡ ስለዚህ ህልው ኩነታት ጸኣት ስደተይናታት ብመሰረት ሕሉፍ ታሪኽ ምንባብ ንዓና ክሕሸና እዩ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ኩነታት ጸኣት ስደተይናታት ዝተኻኸሎ መልሲ ዝረክብ፡ ቃል እግዚኣብሔር ናብ መፍትሕን መልስታትን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኸፍትን ዝመርሕን እዩ ከምዝበላ ካፐሊ ሓቢረን።

ብርእየት ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ድህሳሰ ኣቀማምጣ ኵነት ኢማዕርነት ኣብ ዓለም
06 March 2019, 16:51