24 ሰዓት ንጐይታ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ትእምርቲ ፍቕሪ እዩ

እቲ መንፈሳዊ መደብ ብኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ጽሞናን ኣስተንትኖ ኣብ ቃል እግዚኣብሔርን ንምልዋጥን መገድታት ሕይወት ንምትኽኻልን ዝዕድሙ ብመንፈሳውያን ምንባባት ዝስነይ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 29 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጸሞ ዝካየድ 24 ሰዓት ንጐይታ እተሰየ መደብ ናይ ንስሓ ሊጡርጊያ መሰረት ምስጢረ ንስሓ ክሰርዑ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያንና ኣብታ ዕለት እቲኣ ምሕረት እግዚኣብሔር ክሕተተለንን ነዚ ምሕረት እግዚኣብሔር’ዚ ብምስጢረ ንስሓ ንምእንጋድ ክፉታት ኰይነን ክርከባ ክንደይ ባህ ምበለኒ … ከምዝበሉ ይዝከር፡ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ክኸውን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝነቓቓሕ ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና በታ ዕለት እቲኣ ኵለን ኣቢያ ክርስቲያን ክፉታት ኰይነን 24 ሰዓት ምስጢረ ንስሓ ዝስርዓለን ኰይነን ነቶም ምሕረት እግዚኣብሔር ንዘናድዩ ብምእንጋድ ምሕረትን ዕርቅን ክሰርዓ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሓደራ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 29 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሕረትን ዕርቅን ሊጡርጊያ ክሰርዑ ምዃኖም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ኣስዒበን፡ እዚ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘበገሶ መደብ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ካብ ዝጅመር እነሆ ኣብ ሻድሻይ ስንዳአ ከምዝበጽሔን፡ እቲ ናይ ለምዘበን መንፍሳዊ መደብ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ኣነ እውን ኣይፈርደክን እየ (ዮሓ. ምዕ. 8 ፍቕዲ 11) ብዝብል ቃለ ወንጌል ዝምራሕ ምዃኑ ቃል ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ጠቒሰን የመልክታ።

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ብዛዕባ እቲ ናይ ለምዘበን መደብ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ማንም ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፈራዳይ ዘይኰነ ዘእንግድን ዘጸናንዕን ዝምሕርን ንሕዳሴ መገዲ ዝመርሕን ኣቦ እዩ ዝረክብ ቢሎም፡

ምሕረት ናይ ፍቕሪ እቲ ዝለዓለ ደረጃ እዩ

እቲ መንፈሳዊ መደብ ብኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ጽሞናን ኣስተንትኖ ኣብ ቃል እግዚኣብሔርን ንምልዋጥን መገድታት ሕይወት ንምትኽኻልን ዝዕድሙ መንፈሳውያን ምንባባት ዝስነይ እዩ፡ እቲ ኢታእላው ምሕረት እግዚኣብሔር ዘቕርብ ኢየሱስ እነስተንትነሉን ናይ ጸጋን ናይ ሓድሽ ሕይወት ብጋሴ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝነቓቕሓሉ መንፈሳዊ እዋን እዩ፡ ዓለም ምሕረትን ይቕረታ የድልዮ፡ ጽምኢ ምሕረት ዘለዎ እዩ፡ ምሕረት ናይ ፍቕሪ ዝለዓለ ደረጃ  እዩ ናይ ምሕረት ኣንፈት እንተድኣ ዘይብልና ናይ ፍቕሪ ኣንፈት ክህልወና ዘይከኣል እዩ፡ ስለምንታይ ሓደ’ኳ ካባና ፍጹም ዝዀነ ኣካል የሎን፡ እቲ ናይ ለምዘበን መደብ 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ናይ ኣስተንትኖ ደጋፊ መርሕ ጽሑት ብቋንቋ ጣልያንን ኢንግሊዝን ስፓንሽን ፖሊሽን ኣብቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ወግዓዊ ድረ ገጽ ዝርከብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ምሕረትን ሓሳርን ኣብ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፥ ምስጢረ ኑዛዜ ኣብ ሕይወት ክርስትና ግቡእ ቦታኡ ክረክብ የተሓሳስቡ፡ ብተግባር እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ምስጢረ ንስሓ ሸለል ከበሃልን መብዛሕትና እውን ዘይንነብሮ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ፡ ምስጢረ ንስሓ ምዝንጋዕ ማለት ከኣ ሰብኣውነትና ምዝንጋዕ ማለት እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ምርሳዕ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕይወት ክርስትናና ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበርሰብ ኣመንትን ኣብ ኵሉ ቤተ ክርስቲያናዊ መዳይ ኩሉ ማእከል ክኸውንን እቲ ናይ ወንጌል ሕመረት ንሱ ኸኣ ተለወጡን እመኑን ዝብል ጻውዒት ንምንባር ዘተባብዕ እዩ፡ ሕይወትና ንኽንልውጥን ወትሩ ኣብ ቅድሚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃንና ዘዘኻኽር ሓሳብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

24 ሰዓት ንጐይታ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ትእምርቲ ፍቕሪ እዩ
28 March 2019, 17:27