ኣብ ኒካራጉዋ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣድማ ኣብ ኒካራጉዋ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣድማ 

ኣብ ኒካራጉዋ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣድማ

ናይ ማናጉዋ ርእሰ ሰበኻ እቲ ዘሎ ብሔራዊ ቅልውላው ሕጹጽ መፍትሒ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ

ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጉዋ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ናጽነትን ደሞክራስን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ናጻ ክልቀቑ ዝሓትትፖለቲካ ሰላማዊ ኣድማይ ከምእተኻየደን፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቶም እድማ ዘካይዱ ዝነበሩ ንምብታን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደ ካህን ዝርከብዎም 164 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዉ ክንገር እንከሎ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶመርታግ ብዝፈጸምዎ ሽምግልና እቲ ካህንን ካልኦትን ናጻ ከምእተለቁ ካብ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣድማ ብዘይ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ከምእተፈጸመን ብዘይ ፍቓድ ዝተፈጸመ ብምንባሩ እውን ናይ ስርዓት መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ሓይሊ ጸጥታ ኣድመይናታት ንምብታን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘእተዎም ኣብ ማናጉዋ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣጉስቲን ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ተሓባበሪ ኣባ ኽዋን ዶሚንጎ ጉቴረዝ ሓደ ከምዝነበሩን ናይታ ሃገር ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ነበር ሚኒ. ሁምበርቶበሊ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶመርታግ ብዘካይድዎ ርክብ ኣባ ዶሚንጎ ጉቲየርዝ ዝርከብዎም ካልኦት ኣውን ናጻ ከምእተልቁ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ብሔራዊ ቅልውላው መፍትሒ መታን ክረክብ

ናይ ማናጉዋ ርእሰ ሰበኻ እቲ ዘሎ ብሔራዊ ቅልውላው ሕጹጽ መፍትሒ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ፡ ሰላማዊ መፍትሒ ክድለየሉ እውን ጻውዒት ብምቕራብ ብፁዕ ካርዲናል ለዮፖልዶ ብረንስ ኣባ ዶሚንጎ ጉቴረዝን ካልኦት ዜጋታት እውን ከምእተኣስሩ ምስ ሰምዑ ብቐጥታ ምስ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብምርኻብ እቲ ጉዳይ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ከምዝገበሩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ናይቶም እሱራት ናጻ ምልቓቕ እወታዊ ውሳኔ ምዃኑ ብምምልካት፡ እዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኽሲቱ ዘሎ ቅልውላው ከምቲ መላእ ህዝቢ ኒካራጉዋ ዝሓቶ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ናይ ቅኑዕ ጻዕሪ ፈላሚ ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ከምዝገለጸ ኣፍሊጡ።

 

18 March 2019, 16:14