ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ዝተሓንጸ ቤት ሕክምና

እቲ ብሓቂ ሓሴት ዝፈጥረልካ ኣብታ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዘይብላ ሃገረ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ዝተሓንጸ ብምዃኑ እዩ

ብድጋፍ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዋና ከተማ ባንጉይ ዝተሓንጸ ኣብታ ሃገር እንኰ ቤት ሕክምና ሕጻናት ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ሕጻናት ኣደ መንበር ማሪየላ ኤኖክን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ሓላዊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዋና ኣዛዚ ዶመኒኮ ጃኒን ብዘሳተፈ ስነ ስርዓት ተመሪቑ ብወግዒ ነገልግሎት ከምእተኸፍተ ስነ ስርዓት ዝተኽታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኻቪየር ሳርተ ከምዝሓበርዎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኤኖክ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ሓደ ናቱ ጨንፈር ካብ ሮማ ወጻኢ ክህሉ ምግባር ዘሕጉስ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብሓቂ ሓሴት ዝፈጥረልካ ኣብታ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዘይብላ ሃገረ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ዝተሓንጸ ብምዃኑ እዩ፡ ሕልምናን ተስፋናን ከኣ ካብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞቦታት እታ ሃገር ጨንፈር ክህልዎ ምግባር እዩ ምስ በላ፡ እዚ ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ድላይን ሓልዮትን ውጽኢት እዩ፡ ገዛእ ርእሰን ንማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ዘለወን ፍቕሪ ዓቢይ ምዃኑ ይገልጻ።

ጳጳሳዊ ሓላዊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣዛዚ ዶመኒኮ ጃኒ እውን ብወገኖም፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዝተራኸብዎም ህሙማን ሕጻናትን ወለዳቶምን በቲ ዝረኸበዎ ጸጋ ተስፋ ሰኒቖም ክሕጐሱ ሓጐስ ምራይ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ሕቶ እዩ ዘእትወካ፡ እቲ ኵሉ ዘለወን ሃገራት እቲ ዘለወን ምድናቕን ሃሴትን ዘይፈጥረለን ኰይኑ ክትርእይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ እቲ ተስፋ ወለድን ህሙማን ሕጻናት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ተስፋ ዘበራብር እዩ ምስ በሉ ምልሲ ቢሎም ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባንጉይ ካቴድራል ተረኺቦም ቅዱስ በሪ ከፊቶም ኣብ ዘበገስሉ እዋን ኣብቲ ኵነት ከምእተሳተፉን ኣብቲ እዋን እቶም ሓገዝ ዝሓቱ ዝነበሩ ሕጻናት ምስ ረአዩ ዝፈጠረሎም ስምዒት ንሓለፍትን ንቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እውን ምስ ሓበሩ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ርግጸይና እምነት ስለ ዝነበሮም ከኣ እነሆ እቲ ቤት ሕክምና ተጠናቒቑ ነገልግሎት በቒዑ ኢሎም።

ኣባል ማሕበር ልኡካን ደናግል ኮምቦኒ እናቴ ሪታ ኣብቲ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዘገልግላ እውን ብወገነን፡ ምስ’ቲ ቤት ሕክምና ተተሓሒዙ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘማእከለ ሕንጸት ክሳልጠ ኣለዎ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ፡ ብዛዕባ ጽንስን ኣብ እዋን ጥንሲ ክፍጽምኦ ዘለዎን ክንክን ጥዕናን ኣብ ቤት ሕክምና ክሓርሳ ምትብባዔን ኣገዳሲ እዩ፡ ንድሕነት ሕይወተንን ነቲ ዝውለድ ሕጻን ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ነገዛእ ርእሱ ባህላዊ ሕንጸት እውን ዝሓትት እዩ፡ ንናይ ቁሸት ባህላውያን ዓበይቲ ዝምልከት እውን እዩ ኢለን።

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ዝተሓንጸ ቤት ሕክምና ሕጻናት
12 March 2019, 16:48