ቤተ ክርስቲያን ትሽዓት ሓደስቲ ብፁዓንን ሓሙሽተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ክትዕደል እያ ቤተ ክርስቲያን ትሽዓት ሓደስቲ ብፁዓንን ሓሙሽተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ክትዕደል እያ 

ቤተ ክርስቲያን ትሽዓት ሓደስቲ ብፁዓንን ሓሙሽተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ክትዕደል እያ

ካብቶም ሸውዓተ ብፅዕን ዝእወጀሎም ኣብ ሮማኒያ ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐብሉ ሰማዕታት ጳጳሳትን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ትሽዓት ንብጽዕና ካልኦት 5 ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ክስየሙ ዘብቕዖም ገድሊ ታሪኾም ዝተነብሮ ንዘቕረብሎም ሰነድ  ተቐቢሎም ከምዘጽደቕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብቶም ሸውዓተ ብፅዕን ዝእወጀሎም ኣብ ሮማኒያ ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐብሉ ሰማዕታት ጳጳሳትን ኣብ ቢርማኒያ ዝተቐትሉ ናይ እምነት ሰማእት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣባል ኢጣልያዊ ኣባ ኣልፍረዶ ዝርከብዎም ከምዝዀኑን እቶም ብፅዕና ዝእወጀሎም ካልኦት ናይ ቅዱስ ቍርባንን ንጽሕተ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ማሕበር ደናግል መስራቲት (1847-1940 ዓ.ም.) ተወላዲት ስፐይን ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር እናቴ ማሪያ ኤሚሊያ ሪኵልመ ይ ዛያስን ኣብ ሮማኒያ ኣብ ግዝኣት ቲቶ ዝተቐትሉ ጳጳሳት ናይ እምነት ሰማዕታት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቫለሪዮ ራኢያኖ ፍረንቲዩን ቫሲለ ኣፍተናይን ጆቫኒ ሲቺዩን ቲቶ ሊቪዮ ቸነዙን ጆቫኒ ባላንን ኣለሳንድሮ ሩሱን ጁሊዮ ሆሱን ካብ 1950 ክሳብ 1970 ኣብ ዝነበረ እዋን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ዘጠቓልል እዩ።

ሓሙሽተ ተኸበርቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር

መስራቲት ማሕበር ደናግል ካፑቺን ዘቅዱስ ልበ ኢየሱስ ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ማሪያያ ዲ ፍራንቻን (1853 – 1913 ዓ.ም.)፡ ናይ ሳልሳይ ስርዓተ ዘቕዱስ ፍራንቸስኮ ማሕበር ደናግል መስራቲት ማሪያ ሁኤበር (1653 – 1705 ዓ.ም.)፡ መስራቲት ማሕበር ደናግል ዘርህራሄ እመቤተ ድንግል ማርያም እናቴ ማሪያ ተረዛ ካመራ (1818 – 1894 ዓ.ም.)ን ተቕዋም ፓላዞሎን ደናግል ድኽነትን ማሕበር ካለአይቲ መስራቲት እናተ ማሪያ ተረዛ ጋብሪኤሊ (1873 – 1908 ዓ.ም.) ዝርከብዎም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

21 March 2019, 17:18