ድለ

ጂሶቲ፥ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ ጂሶቲ፥ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ 

ጂሶቲ፥ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ዕድልን ነቲ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ናይ መራኸቢ ድልድል ንኽኸውን ዘነቓቕሕ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣመልኪቶም ዕለት 1 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኢሚራት ዓረብ ክልተ ማዕቅን ከምዘለዎን፡ እቲ ቐዳማይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከትን እቲ ካልእይ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ምርኻብን ዝብል ምዃኑን ሓቢሮም ኣብ ኢሚራት ዓረብ ኣስታት ትሽዓተ ሚእቲ ሺሕ ካቶሊካውያን ምእመናን ከምዘለዉ ዘዘኻኸሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ እቲ ጉዕዞ ታሪኻዊ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ዕድልን ነቲ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ናይ መራኸቢ ድልድል ንኽኸውን ዘነቓቕሕ እዩ። ኣብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ዘሎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ መጻእተይና ክኸውን እንከሎ፡ ብስራሕ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኰይኑ፡ ዝበዝሑ ካብ ቪሊፒንስ ዝመጹ ምዃኖም እውን ጠቒሶም፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እውን ዝተተሓሓዘ ምኻኑ የዘኻኽሩ።

ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ድሕሪ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ምስ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፥ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቀቅድሚ እቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ሞሮኮ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እዩ፡ እዚ መገሻ’ዚ እቲ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ቅዱስ ፍራንቸስኮን ሱልጣን ማሊክ ኣል ካማል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተካየደ ርክብ ማለት ኣብ 1219 ዓ.ም. ናይ መስቀል ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘካየድዎን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ሓባሪ ጐደና ሰላምን ዘተን እዩ፡ ቅዱስነቶ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምዮት ንምግላጽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ህልውናኡ ውሑስ ክኸውን ኣብ ምግባር መንግስታት ዓለምን ማሕበርሰብ ዓለምን ክዓይን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን ናይ ሓባር ዘተ ከነቓቕሑ ከምዝግብኦም ኣመላኺቶም ከምዝነበሩን፡ ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ እቲ ናብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ዘካይድዎ ምብጻሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ተስተውዕል ኢሎም። 

ዝዀነ ይኹም ብስም እግዚኣብሔር ከዋዊልካ ዝፍጸም ዓመጽ ንገዛእ ርእሱ ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ሃይማኖታትን እዩ፡ ስለዚህ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ርእየት እውን ከምዘይኰነ ብሰፊሕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ፡ እቲ ኣብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ዘካይድዎ ርክብ ካልእ ርክብ እውን ዘጠቓለለ እዩ፡ ማለት ኣብዚ ምብጻሕ’ዚ ምስ ናይ ግብጺ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ክራኸቡ እዮም፡ እዚ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ርክብ ኣብታ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ማእከልን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ዓበይትን ሰብ ጥበብን ቤት ምኽሪ መንበር ኣብ ዝርከብሉ ሃገር ዝካየድ ብምዃኑ ኣብ ምንጐ ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልንናን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘበራትዕ እዩ ይብሉ።

እዚ ምብጻሕ ነቲ ኣብ ኢሚራት ዓረብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እውን ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ፡ እቲ ካቶሊካዊ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ቅዱስነቶም ናብ ኢሚራት ዓረብ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ሰምዔ ባዕሎም ዝገልጽዎ ዘለዉን ናይ ደቡብ ዓረብ ሃገራት ሓዋርያዊ መስተናብር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሄልደር ዘረጋገጽዎ እውን እዩ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝረክብ ዛየድ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ እቲ ናይ ስፖርት ሜዳ 135 ሺሕ ሕዝቢ ጥራሕ ከአንግድ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ነቲ ቅዳሴ ካብቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ወጻኢ ኰይኑ ዝከታተል ሕዝቢ ውሑድ ከምዘይከውን ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጂሶቲ፥ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ
02 February 2019, 17:04