12 ለካቲት 1931 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ራድዮ ቫቲካን!

88 ዓመት ይግበር ከም’ዛ ሎሚ ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓምፈ ብፈጠራ ናይ’ቲ ዘመን’ቲ ዓቢ ሊቅ ጉልየልሞ ማርኮኒ ኣብ ሕምብርቲ ቫቲካን ዝተደኮነት ራድዮ ቫቲካን ንዓለም ምሉእ ናይ መጀመርያ መቃልሓ ኣብ ዘስመዓትሉ ር.ሊ.ጳ ንመጀመርያ ግዜ ድምጾም ብረድዮ ዘስምዑሉ ዕለት ነበረ። ሽሕ’ኳ ከም መደብ ኣምሓርኛን ትግርኛን ድሒሩ እንተተኣታተወ ኣብ’ቲ ዕለት እቲ እውን ምስቶም ናይ መጀመርያ ቋንቋታት ዝተጋሕወት ቋንቋ ሃገርና ካብ’ቶም ኣብ ጥቃ እታ ረድዮ ተደኲና ዘሎ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ዝርከቡ ዝነበሩ ተመሃሮ እውን ነበረ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ከም’ዚ ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኢዱ ብዘሓዞ ተንቀሳቃሲ ተለፎን ረድዮስ ይኹን ካልእ ክከታተለሉ ዘይትኽእለሉ ዘመን ኣብ ርእሲ ምንባሩ እተን ሽዑ ዝተኣታተዋ ዝነበራ ረድዮታት እውን ኩሎም ክሰምዑሉ ኣብ ዝኽእሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኰይነን ኣብ ገዛውትን ኣደራሻትን ቅርዓታትን ብዙሕ ሕዝቢ ንክሰምዕ ይእከብ ነበረ። ኣብ መላእ ዓለም በብወገኑ ንድምጺ ጓሳ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንክሰምዑ ተኣኻኺቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ እዩ ድምጺ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብኣየር ናብ መላእ ዓለም ክጋዋሕ ዝጀመረ።

ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ጋዜጣታትስ ይኹኑ ንመራኸቢ ብዙሓን ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቅርዓታት ብመጒልሒ ድምጺ ዝጋዋሕ ዝነበረ ዜና ነዚ ብሥራት እዚ ከጋውሓ ጀሚረን። ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ጐደና 4 ሕዳርስ ይኹን ኣብ ቅርዓት ቪቶርዮ ከምኡን ኣብ ቪያ ናስዮናለ ተጋዊሑ። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ከተማ መልበርን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ካናዳ ኣብ ከተማ ከበክ ወዘተ ኮታስ ኣብ መላእ ዓለም ር.ሊ.ጳ ክዛረቡ እዮም ተኸታተሉና ዝብል መሰናደዊ ድምጽታት’ውን ንገሊኦም ከም’ዚ ሎሚ ኰይኑ ይስምዖም።

ድሕሪ ብዙሕ ምሽብሻብ ጉልየልሞ ማርኮኒ ‘እነሆ እምበር ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳስት ንዕሥራ ዘመናት ብዝተፈላለየ ሰነዳት ድሕሪ ምትሕልላፍ ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ በቲ ሕያው ቃል ር.ሊ.ጳ ብረድዮ መልእኽቶም ክጋዋሕ እዩ’ ምስ በሉ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብቋንቋ ላቲን ገሮም ንኩሉ ፍጡርን ኣብ ዝተፈላለየ ሥቃይ ንዝርከቡን ክብርን ምሥጋናን ንእግዚአብሔር ከምኡ እውን ንኩሎም ገዛእቲ ዓለም ንሃብታማትን ድኻታትን ንዘሥርሑን ሠራሕተኛታትን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኩሉ ዓለም ተደኒቚ ካብ’ቲ ኣጸቢቑ ዘደነቀ ከኣ ብምህዞ ናይ ማርኮኒ ተሓጊዙ ንድምጺ ር.ሊ.ጳ ኣብ ፕራጋ ክሰምዕ ንዝኸኣለ ሓደ ጸማም ብምጥቃስ ከኣ ጸማማት ከይተረፉ ድምጺ ር.ሊ.ጳ ክሰምዑ ክኢሎም ክብሉ ናይ’ቲ ሽዑ ጋዜጣታት ኣቃሊሖም።

እዚ ቅድሚ 88 ዓመት ዝተተኽለ ዓቢይ መጋበሪ ስብከተ ወንጌልከስ ሎሚ እውን ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ዓለምናን ኣሎ ብዝበሃል ዘመን ኣምጸኦ መጋበሪ መራኸቢ ብዙሓን ብኢንተርነትን ካልእ መጋበሪታትን እናተጋውሐ ይርከብ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 February 2019, 18:13