ርእሰ ዓንቀጽ፥ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ዘዕግብ  ኣቀዋውማ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ዘዕግብ ኣቀዋውማ 

ርእሰ ዓንቀጽ፥ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ዘዕግብ ኣቀዋውማ

እቲ ኣብቲ እዋን ዝተለዓዓለ ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዝነበሮ ኩነት ኩሉ ዘረጋግእ ኣብ ናይ 1929 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ውዕሊ ላተራነንሰ

ሎሚ ዕለት 11 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ እዩ፡ ብዛዕባ ሮማን ካልኦት ዓበይቲ ሕቶታት መዕለቢን ንኽርከበሉ ዝተበጽሔ ስምምዕ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 10 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ ብጋሴ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብቲ እዋን ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ዝከበሩ ብፁዕ ክርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ኣብ ሮማ ናይ ከንቲባብ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ናይ ውህደት ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ትረኺቦም እዞም ናይ መጻኢ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምድራዊ ስልጣን ዘብቅዔ ኣብ 1870 ዓም. እዩ፡ እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግዝኣታ እውን ዘለዋ ስልጣን ዘዳኸመ እውን እንተነበረ፡ ሕዝቢ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክንየ መንፈሳዊ ስልጣን ዘሎ ምድራዊ ስልጣና እውን ዳግም ብግልጽን ብዘየማትእን ኣገባብ ክሕነጽ ድላይ ከምዘለዎ አርኣየ። ሓልዮት እግዚብሔር ሕጂ ኣጸቢቕና ንርእዮ ኣሎና ይብሉ፡ በዚ መዳይ’ዚ ኣቢላ ናይ ምምሃርን ወንጌል ናይ ምምስካር ጸዋዕታኣ ኣብ ዓለም ግብረ ገባዊ ስልጣና ዳግም ከተስተውዕል በቒዓ ይብሉ።

እቲ ኣብቲ እዋን ዝተለዓዓለ ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዝነበሮ ኩነት ኩሉ ዘረጋግእ ኣብ ናይ 1929 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ውዕሊ ላተራነንሰ ኣብ ኢጣሊያ ናጽነትን ደሞክራስን ውሕስ ክኸን እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ክኸውን እንከሎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ብናይ ሕጊ ሊቅን ጠበቓን ሮማዊ ፍራንቸስኮ ፓቸሊ ኣብቲ እዋን ኣብ በርሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ዝነበሩ ደሓር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኤውጀኒዮ ፓቸሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናልን ቀጺሎም እውን ር.ሊ.ጳ ፒዮስ መበል 12 ናይ ዝዀኑ ሓው ተሰንዮም ኣብ 1926 ዓ.ም ንናይ ውዕሊ ላተራነንሰ ምይይጥ ብወግዒ ኣበጊሶም ከምእተሳተፉ ይዝከር።

እቲ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራነንሰ ኣብ መንጐ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ጋስፓሪን በኒቶ ሞሶሊኒ ዝተበጽሔ ናይ ላተራነንሰ ውዕሊ፡ ሉኣላውነት ሃገረ ቫቲካን ኣፍልጦ ዝሃበን ናጻ ሃገር ዝብል፡ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ከመይን ኣንታይን ክኸውን ከምዘለዎ ይትንትን።

(Andrea Tornielli)

ርእሰ ዓንቀጽ፥ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ዘዕግብ ኣቀዋውማ
11 February 2019, 17:06