2019.01.11 ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ! 2019.01.11 ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ! 

ኣብ ቅድስት መንበር ተጻይ ብልሽውና ዝቃለስ ቤትጽሕፈት በዓል መዚ ቆይሙ!

ቅ.ኣ.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዕለት 24 ለካቲት 2014 ዓምፈ ፊደሊስ ዲስፐንሳቶር ኤት ፕሩደንስ ገብር ኄር ወምእመን ብዝብል ኣዋጅ ንዘቆምዎ ቤትምኽሪ ምግብና ቅድስት መንበር ዝምልከት ሓፈሻዊ ኣዋጅ እንደገና ብምምልካት ብልሽውና ኣብ ቅድስት መንበርን ኣብ ቫቲካንን ንከይስዕርር ብእዋኑ ንምክልኻልን ጸገም እንተተራእዩ ከኣ ብእዋኑ ዘድሊ ስጒምቲ ንክወስድን ነቲ ብ2015 ዘቆምዎ ሓፈሻዊ ሓልዮት ቫቲካን ናብ ንምግባረ ብልሽውና ዝቃለስ ቤትጽሕፈት ሓፍ ብምባል ምሉእ ሥልጣን ከምዘልበስዎ ካብ ቅዱስ መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብዓለም ደረጃ ጉዳይ ብልሽውና ብዙሕ ስለዘተሓሳሰበ ሕቡራት መንግሥታት ዓለምና ብ31 ጥቅምቲ 2003 ዓምፈ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኩለን ሃገራት ብዕሊ ክቃለሳኦ ዘለወን ጉዳይ ምዃኑ ብኣውጅ እንክጸድቅ ኣብ ቅድስት መንበርን ንሳ ተመሓድሮም ትካላትን ግን ካብ 19 ጥቅምቲ 2016 ዓምፈ ተግባራዊ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነሩ። በዚ ከኣ ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ምስ ሓዙ ብኡ ንብኡ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝፍለጥ አዋጃት ብምውጻእ ቅድሚ እቲ ዝተመልከተ ዕለት ብ2015 ዓምፈ ንኩሉ ጉዳያት ምግብና ቅድስት መንበርን ቫቲካንን ዝምልከት ጉዳያት ዝከታተልን ዝኾነ ናይ ብልሽውና ነገር ምስ ዝርከብ ዘድሊ ስጉምቲ ብእዋኑ ንምውሳድን ሓፈሻዊ ተቆጻጻሪ ኣካል ኣቊማ ሥራሑ ጀሚሩ።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣካል እዚ ተጻይ ምግባረ ብልሽውና ወይ ሙስና ንኽቃለስ ዚኣክል ሥልጣንን ባይታን ንክህልዎ ዝሓለፈ ዕለት 21 ጥሪ ቅዋም ሰሪዖም ክታሞም እንከንብሩሉ ካብ ዝመጽእ ዕለት 16 ለካቲት 2019 ዓምፈ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ኣዊጆም።

እቲ ቀንዲ ምምሕያሽ ኣብቲ ብ2015 ዝተኣወጀ ሕጊ እቲ በዓል ሥልጣን ንኩሎም ትካላት ቅድስት መንበርን ምምሕዳራትን ብዛዕባ ቊጠባዊ ኩነታትን ምሳኡ ዝተሓሓዝን ምሉእ ሓበሬታን ጸብጻብን ክሓትት ከምዝኽእል ኰይኑ ግን ምንም ዓይነት ውሳኔ ክ ወስድ ከምዘይክእል እንከምለክት ኣብዚ ሓዲስ ኣዋጅ ግን ንኩሉ ሓበሬታ ክርእን ክምርምርን ሥልጣን ኣብ ርእሲ ምሃቡ ንኩሉ ነገራት በብሓደ ከጽንዕን ክምርምርን እሞ ንጉባኤ ምግብና ወይውን ቤትምኽሪ ምግብና ወይ ቊጠባ ቅድስት መንበር ከቅርብ ትሑዝ እዩ ይብል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ነገር ወይውን ገበን መሳሊ ነገር ኣብ ምግብናን ቊጠባዊ ምምሕዳር ቅድስት መንበርን እንተደኣ ተዓዚቡ ወይ ጠርጢሩ ንናይ ከተማ ቫቲካን ሕጋዊ ሰበሥልጣናት ከመልክት እውን ሥልጣን ከምዘለዎ ተመልኪቱ።

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 February 2019, 17:54