ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ሰላምን ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ሰላምን 

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ሰላምን

ምልላይ እቲ ዘሕብርን ዝፈላልይን ምፍላጥ ማለት እዩ፡ እቲ ፍልልያት ንምልላይ ዝድርኽ ምስ ዝኸውን ኣብ ፍልልይ ብሓባር ንምንባር የብቕዕ

ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዋና ሕንጻ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ሃይማኖታዊ ዘተ፡ ማሕበራዊ ጥርናፈን ዘይንጽል ሕብረተሰብን ምሕናጽ  ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፥ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣማእኪሎም ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እውነተይና ትምህርቲ ሃይማኖታት ንሰላምን እውነተይና ናጽነትን ግብረ ሽበራ ንምቅዋምን ንምጥፋእን ኵሉ ኣገልግሎት ሕንጸት ንኽረክብን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ድኻታትን ንምድጋፍ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ ከምዝበሉን፡ እዚ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም በቢ ዓመቱ ዝዝከር ቅነ ሃይማኖታዊ ስኒት ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ ሻምናይ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ብፁዕነቶም፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ንሃይማኖታውን ማሕበራውን ስኒት ፍኖት ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ክፍሊ ዜና ኣገልግሎ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ናይ ሕውነት ድልድል

ሃይማኖታዊ ዘተ ኣብ ዓለም ንሰላም ኣገዳሲ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንእውነተይና ኵለንተናዊ ምዕባለ እውን መሰረት እዩ፡ እውነተይና ሃይማኖተይናነት፡ እግዚኣብሔርን ሓውኻን ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ምንባር እዩ፡ ስለዚህ እዚ ዓይነት ኣገላልጻን ኣነባብራን ሃይማኖት፥ ስም እግዚኣብሔር ንኸይተርክስ የብቅዓካ፡ እግዚኣብሔር አፍቅር እየ ዝብል ተጻይ ሓዉ ክኸውን ኣይክእልን ተጻይ ሓዉ እንተድኣ ዝኸውን ኰይኑ፡ ኣብቲ ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ብህሎቱ ዝጐድል ነገር ኣሎ ማለት እዩ።

ምልላይ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ሃይማኖታት ዘተ ክዛረቡ እንከለዉን ነዚ ዘተ እውን caminar juntos - ብሓባር ምጉዓዝ ብዝብል ቃል ብዙሕ ግዜ ይገልጽዎ፡ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን ስቓይን መክራን ተስፋን ብሓባር ምጉዓዝ፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ገዛእ ርእስኻ ንምልላይን ምስቲ መጓዕዝትኻ ንኽትላለይ ግዜን ቦታን ትረክብ፡ ኣብቲ ምጉዓዝ፡ ቦታን ግዜን ኣሎ፡ ንሰናይ ዝውዕል ቦታን ግዜን፡ ሕድ ሕዳዊ ምልላይ።

ሃይማኖታዊ ዘተ

ምልላይ እቲ ዘሕብርን ዝፈላልይን ምፍላጥ ማለት እዩ፡ እቲ ፍልልያት ንምልላይ ዝድርኽ ምስ ዝኸውን ኣብ ፍልልይ ብሓባር ንምንባር የብቕዕ፡ መለለይኻ - መፍለይኻ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጸቅጢ ምስ ዘይኸውን እቲ ካባኻ ዝተፈልየ እውን ንሱነቱ ናይ ምግላጽ ዕድል ይረክብ፡ እዚ ናቱ ዕድል ንዓኻ እውን ንክትፈልጥን ገዛእ ርእኽ ነኸተላልይን ዕድል ይዀነካ፡ ብዝሓት እግዚኣብሔር ካብ ማሕበራዊ ናብራ ምንጻል ሰላም የምጽእ ቢሎም ዝሓስቡ ኣለዉ፡ እውነተይና ትርጉም ሃይማኖት ምንባር መንቀሊ ጸገም ክኸውን ኣይክእልን፡ ሰለምንታይ ንእግዚኣብሒር ዘሎካ ፍቕሪ መምዘኒ ሓውኻ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንብጻይካ ዘሎካ ፍቕሪ እዩ፡ ሃይማኖት በዚ መንጽር እዚ ክንበር እንከሎ፡ ፍቕርን ሕውነትን እዩ ዘስፍሕ ስለዚህ ሃይማኖት ካብ ማሕበራዊ ናብራ ምውጋድ ንገዛእ ርእሱ ሳዕቤን ብዙሕ ዓይነት ጸገም እዩ ዝኸውን፡ እውነተይና ትርጉም ሃይማኖት ምንባር መሰረ ሰላም እዩ፡ እውነተይና ናይ ሃማኖታት ዘተ ንጸረ ዓመጽ ጭቡጥ ተግባር እዩ፡ ጽልእ የወግድ ምቅርራብ የስፍሕ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ንሰላምን እውነተይና ኵለንተያዊ ምዕበለን መሰረት እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ሰላምን
08 February 2019, 16:21