ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብግቡእ ዝመሓደር ስደት ንሕብረተሰብ ኣበርክቶ እዩ ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብግቡእ ዝመሓደር ስደት ንሕብረተሰብ ኣበርክቶ እዩ 

ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብትኽክል ዝመሓደር ስደት ንሕብረተሰብ ኣበርክቶ እዩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብ ከይደለየን ካብ ምርጫኡ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምዝብልናን ካብ ሃገር ወጻኢ ንኽስደድ ዝዳርግ ዓሚዪቕ ምኽንያት ግልጺ እዩ

ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ስደት ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመክር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ቅድስቲ መንበር እቲ ስደት ዘንቅል ምኽንያ ዓመጽን ወግእን ኣሳዶን ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየርን ዘስዕቦም ጸገማት ኵሉ ንምግጣምን ንምብዳህን ኣገዳሲ ምዃኑ ተመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ስደት ጭቡጥ ኩነት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንይነ ካሚሌሪ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝወሃብ ሓበሬት ዝከታተል ኩሉ፡ ናይ ዘይምርጋእን ስእነት ሰላምን ፍትሕን ዓመጽን ንግድ ሰብ ዘስዕቦን ምዃኑ የስተውዕል፡ ስለዚህ እዚ ጉዳይ’ዚ ብትኽክል ኣብ ዝመሓደረሉ እዋን ንሕብረተሰብ ዓቢይ ኣበርክቶ እዩ ዝኸውን፡ እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ጸኣት ስደተይናታት ይሃሉ ንምባል ኣይኰነን፡ ንባህልን ኤኮኖምን ማሕበረሰብን ምዕባለ ናይ ሕዝብታት ምቅርራብ ወሳኒ እዩ፡ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ከይሁሉ ንምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ ኰይኑ ግና ነቶም ንስደት ዝዳረጉ ከም ጸገም ገርካ ምቕራቦም ኣልቦ መሰረተ ሓቂ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ዓሚዪቕ ምኽንያት ስደት

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብ ከይደለየን ካብ ምርጫኡ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምዝብልናን ካብ ሃገር ወጻኢ ንኽስደድ ዝዳርግ ዓሚዪቕ ምኽንያት ግልጺ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዝኽወን ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ሸቶኡ ንኽወቅዕ እቲ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ስደት ዝብል ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ምትግባር ናይ ግድን ይኸውን፡

ኣሳዶን ዓመጽን ድኽነትን

ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ግዴታዊ ምስ ዝኸውን እዩ ጸገም ዘስዕብ፡ ብዙሓት ካብ ድኽነትን ዓመጽን ውግእን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣሳዶን ሰብኣውን ምህዳራውን ጸገማት ካብ ዘስዕቦ ሽግራት ንኸምልጡን ገዛእ ርእሶምን ናይ ኣባይቲ ስድራኦም ሕይወት ንምድሓን ብዘይ ምርጫኦም ተገዲዶም ይስደዱ፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ንስደት ዝዳርግ መሰረታዊ ምኽንያት መፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝብል ዕላማ ሓይሉን ዓቕሙ ኣዋዲዱ ክዓዪ ይግብኦ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ጭቡጥ ውሳኔ

እቲ ንስደት ዝዳርግ ኣሉታዊ ምኽንያት ግምት ብምሃብ ሕጋዊ ስደት ምፍቃድ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ድኽነት ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕሪ ጭቡጥ ውሳኔ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ስደተይና ካበይ ይምጻእ ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ግብኡ ሰብኣዊ ክብሩ ምኽባር ይግባእ፡ መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎምን ዑቕባ ክረኽቡን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ካሚሊየሪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣዘኻኺሮም፡ ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኩነትን ይሃሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበረሉ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝዛዘሙ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ቅድስቲ መንበር ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብግቡእ ዝመሓደር ስደት ንሕብረተሰብ ኣበርክቶ እዩ
28 February 2019, 17:04