ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ 2019 ዓ.ም.  ጾም ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ሓርዮም ር.ሊ.ጳ. ናይ 2019 ዓ.ም. ጾም ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ሓርዮም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ 2019 ዓ.ም. ጾም ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ሓርዮም

ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሱባኤ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ መርሕ ቃል፡ ንናይ ሕይወት ኣብ ዓለም ፋሲካዊ ርእየትን ወስታን፥ ናይ ብርቱዕ ድላይ ከተማ ዝብል ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓለፍቲ ዝርከብዎም ብሓባር ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሪቻ ናይ ዘካይድዎ ናይ ጾመ ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ንኽዀኑ ናይቲ ኣብ 1313 ዓ.ም. ኣብ ዓቢይ ጐቦ ኦሊቨቶ ብብፁዕ በርናርዶ ቶለመዮ ናይ ዝተመስረተ በነዲክታውያን ማሕበር ኣባል ዝዀኑ ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ፊረንዘ ኣብ ዝርከብ ጐቦ ቅዱስ ሚኒያቶ ናይ በነዲክታውያን ገዳም ኣበምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ከምዝሓረዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ከባቢ ሮማ ዞባ ላዚዮ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ መለኰታዊ ቤት ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላትን ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሱባኤ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ መርሕ ቃል፡ ንናይ ሕይወት ኣብ ዓለም ፋሲካዊ ርእየትን ወስታን፥ ናይ ብርቱዕ ድላይ ከተማ ዝብል ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ሱባኤ ሰኑይ ዕለት 10 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተ ተጀሚሩ ዕለት 15 መጋቢት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ተዛዘመ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶምን ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝምለሱን እቲ ዝካየድ ሱባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ንጐሆ ብመስዋዕተ ቅዳሴ ተጀሚሩን ምሸት ብጸሎተ ዘሰርክን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ዝዛዘም ምዃኑ ናይቲ ናይ ሱባኤ መርሓ ግብሪ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ኣባ በናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፕራቶ ኣብ 1968 ዓ.ም. ዝተወልዱን ካብ 2009 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ሚኒያቶ ገዳም ሓለቓን ካብ 2015 ዓ.ም. ከኣ ኣበምኔት ገዳም ከምዝዀኑን እቲ ዕለት 10 ሕዳር ዝተዛዘመ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ከተማ ዝተኻየደ ብሔራዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል ኰይኖም ከምዘገልገሉን ዘመላኸተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሱባኤ ዝሳተፉ ብምዃኖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኰነ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ዕለታዊ መርሓ ፍጻሜታቶም ንግዚኡ ከምዝቋረጽን ዕለት 13 መጋቢት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እውን ከምዘየቕርቡ ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ናይ 2019 ዓ.ም. ጾም ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ሓርዮም
28 February 2019, 17:00