ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ንሓለዋ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቀድማይ መስርዕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ፥ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ሕድሽ ዓለም ለኻዊ ኵነት ብዝብል ላዕለዋይ ናይ ሕገ ቀኖና ናይ ምርምር ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዋናዊ ብድሆ ናይ ሰላም ብድሆ እዩ፡ ኣብዚ መድብለ - ጐናውነት ኣብ ዝዳኸመሉን ውግእን ምስሕሓብን ምግምማዕን ኣብ ዝሰፍሓሉ ህልው ኩነት ዓለም ቅድስቲ መንበር ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ሰላማውያን ሃገራትን ሰላማዊ ሕብረተሰብን ክሕነጽ ኣብ ዝግበር ከይዲ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምእተቕርብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እቲ ዕለት 11 ለካቲ 1929 ዓ.ም. ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ዝተበጽሔ ብውዕሊ ላተራነንሰ ዝጽዋዕ ስምምዕ ዝኽሪመበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ ናይ ሕገ ቀኖና ላዕለዋይ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ዕለት 7 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር ንሓለዋ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቀድማይ መስርዕ

ቅድስቲ መንበር፥ እወታዊ ገለልተይናነት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ሎሚ ከም ትማሊ ናይ ልእኽቲ ግደ ዘለዋን ካብ ጥንቲ ንዘመናት እተቕርቦ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሓድሽ ቃል ብስራትን ኣብ ምንቕቓሕ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝቖመ እዩ፡ ከምዝቢ ብምዃኑ ምስ ኵለን ሃገራት ንሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ዝበረኸ መጻኢ ንኽህነጽን እዚ መጻኢ’ዚ ውሑስ ንምግባር ብቐጻልነት ትራኽብን፡ እዚ እትኽውኖ በቲ ዘለዋ እወታዊ ገለልተይናነት ምዃኑ ዝትንትን ሰፊሕ ስነ ታሪኻዊ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ካተሊ ኣመልኪተን

ዘተን ጽን ብምባልን ዝካየድ ነዊሕ ታሪኽ

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካልኣይ መደብ፡ ኣብ ሮማ ናይ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ናይ ሕጊ መምህር፡ ናይ ስነ ሕግን ታሪኽን ሊቅ ፕሮፈሰር ካሮሎ ካርዲና፡ ሃገረ ቫቲካን፡ ኣብ ናይ ኤሮጳን መላእ ዓለምን ጭቡጥ ኵነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዞም ናይ መጽናዕቲ ድሑፍ ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ካስተሊ ኣስዒበን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሕገ ሰነዳት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዅዋንኢግናሲዮ ኣሬታ እውን ብወገኖም እታ ዕለት 24 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣንዘ Fidelis dispensator et prudens-እሙናትን ጥንቁቓትን ኣመሓደርቲ ብዝብል ኣርእስቲ ዝዘመሓላለፍዎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምሕደራ ዝመርሕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ውሳኔ ኣደጊፎምን ካብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ መምህር ናይ ቲዮሎጊያን ታሪኽን ሊቅ ፕሮፈሰር ፊሊፐ ሸናውክ ርክባት ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ኣብ ዘመናት ብመንጽር ናይ ዘተ ፖለቲካ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረቡ ገሊጸን።

ውዕሊ ላተራነንሰ ሎሚ እውን ህያው እዩ

ናይ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ ኣቦ መንበርን ኣብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ናይ ቫቲካን ሕግን ሕገ ቀኖናን መምህር ጁዘፐ ዳልላ ቶረ እውን፥ ውዕሊ ላተራነንሰ ሊሚ ኣውን ህያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ፥ እቲ ውዕሊ ኣብ መንጕ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ግጭት ከይፈጠር ዝገበረን ናይቲ እሙን ንቤተ ክርስቲያንን እሙን ንሓገርን ዝብል ምግምማዕ ኣብ ዝርእይ ዝነበረ ሕዝቢ ኢጣሊያ፡ ካቶሊካዊ ሕልና ዘዋደደ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዝተንተኑ ባርባራ ካስተሊ ኣመልኪተን።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ንሓለዋ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቀድማይ መስርዕ

Photogallery

ቅድስቲ መንበር ንሓለዋ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቀድማይ መስርዕ
09 February 2019, 17:43