ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሕይወት ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሕይወት 

ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሕይወት

ካብ ኵሉ ካልእ ፍጥረት ብዛዕባ መዋትነቱ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥራሕ እዩ

ዕለት 12 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያን ንዝኽሪ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ኵባ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣማእኪሉ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎምን ዘረባ እውን ከምዘስምዑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ምክልኻል ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ንናይ ሓባር ተግባር ናይ ሓባር ባይታ ከምዝረኸባ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሞስኮ ዝተኻየደ ሳልሳይ ናይ ሓባር ርክብ ድሕሪ እቲ ኣብ ፍራይበርግ ኣብ 2017 ዓ.ም.ን ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቭየና ዝተኻየደ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቅዱስ ቀርሎስን መጠዲዮስን ናይ ቲዮሎጊያ ድህረ ምረቓ ተቕዋም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ንዘሰናደዉ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፍን ናይቲ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳርን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ኣመስጊኖም፡ ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን ዘርእዮ ዘሎ ስጒምን ዘረጋግጹ ፍጻሜታት ጠቒሶም፡ እዞም ፍጻሜታት እዚኣቶም ነቲ ዝተቐደ ናይ ኢየሱስ ልብሲ ዘላግብ ፈትሊ እዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብድሆታት ዛዕባ ሕይወት

ካብ ኵሉ ካልእ ፍጥረት ብዛዕባ መዋትነቱ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥራሕ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ ኣስዒቦም፡ ናብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሮም፡ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ዝብል ብድሆ ነቲ ኣብ ዓለም ብዝብጻሕ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባሌታትን ናይ ስነ ሕክምና ምርምራትን ዘስዕቦ ብድሆ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ገሊጾም፡ ሞት ካብ ጉድለት ወይ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ካብ ዘይምርካብ ከጋጥም ዝኽእል ይኸውን፡ ሞት ሕክምና ናይ ምርካብን ዘይምርካብን ውጽኢት ወይ ሕቶ ኣይኰነን፡ ክንክን ጥዕና ኣገዳስን ሕክምና ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ብዛዕባ ስቓይን ሰብኣዊ ክብርን ዝብል ሕቶ የለዓዕል፡

ቤተ ክርስቲያን፥ ታሪኻዊ ከይድታት ኣስተንትኖ ኣብ ዛዕባ ፍጻሜ ሕይወት

ብዛዕባ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘካየደቶ ኣስተንትኖ ታሪኻዊ ከይድታት ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ ዳህሲሶም፡ ኣብ 1957 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ ሮማ ልዕሊ 500 ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ሓኻይም ኣብ ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ መህድኢ ቃንዛ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ቅቡል እዩ ቢሎም፡ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ንገዛእ ርእሱ ንሕይወት ዝዕምጽ ዓይነት ሕክምና ግና ዘይድገፍ እዩ ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፡ ኣብ 1980 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር Iura et bona - መሰልን ክብርን ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ንዝብል ዓይነት ርእየት ብፍሉይ ዝሃቦ መልስን እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምርቲ ሃይማኖት ተገሊጹ ከምዘሎ እውን ጠቒሶም። ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓኻይም ማሕበር ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብርግጽ ሕክምና ኵሉ ሳዕ ሕይወት ወይ ፈውሲ ዝውሕስ ኣይኰነን፡ ይኹን ደኣ እምበር ሕክምና ከሕውዮ እውን እተዘይከኣለ ሕይወት ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክንኻን ግድን እዩ ከምዝበሉ የዘኻክሩ።

እቲ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝድገፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፡ ብዘይ ክርስትያናዊ ኣስተንፍሶ ዓውሎማነት ናይ ፍቕሪ ድኻ እዩ ዝኸውን

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዘይ ክርስቲያናዊ ኣስተንፍሶ ዓውሎማነት ናይ ፍቕሪ ድኻን ኣደዳ ዝተፈላለየ ዓመጽ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉን፡ ስለዚህ ናይ ክርስቲያን ዓለም ሓላፍነት፡ ሰብኣዊ ርክብ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን እዩ ኢሎም። ምክንኻን ክበሃል እንከሎ፡ ከም ሕያዋይ ሳምንራዊ ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ነቲ እደ ጥበባዊ ምዕቡል ሕብረተሰብ ሓድሽ ዓቐን እዩ። ምዕባለን እደ ጥበባዊ ተበጽሖታት ኵሉ ነገልግሎት ነቲ ንሕይወት ዝተጸውዔ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ኢሎም።

ጽምዋ ኣብ ምሟት

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ ፍጻሜ ሕይወት ኣብ ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ቀንዲ ሓሳብ ምልስ ቢሎም፡ ብርግጽ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘጋጥሞ ስቓይን ሕማምን ንምውጋድን ንምሕዋዩ ናይ ሕክምና ስነ ምርምር ጻዕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዋላ’ኳ እዋናዊ ተበጽሖ ምዕባለ ሕክምና ከሕውዮ ዘይከኣሎ እውን እንተዀነ፡ ኣይሓውይን እዩ ቢልካ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ኣብ ጽምዋ ንበይኑ ንኽመውት ምሕዳግ ወይ ከኣ ካብ ቃንዛን ስቓይን ንምድሓን ንኽመውት ምሕጋዝ ዝብል ምርጫ ምፍጻም ኣይግባእን። ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሉ እምበር ዘይሓውይ ሕማም ዝበሃል የሎን፡ ስነ ሕክምና ምርምር ንኸሕውዮ ገና ዘይበጸሖ እምበር ዘይሓውይ ሕማም የሎን። ዘይሓዊ ሕማም ዝብል ኣገላልጻ እዋናዊ ስነ ሕክምናዊ ምርምር ተበጽሖታቱ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ክርስትና መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕይወት ብድሆታት ንኸስተውዕል ዝድግፍ እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ናይ ስጋን መንፈስን ፈወሲ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓቢ ምዃን ኣብ ቅድሚ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕይወት ዘለካ ሓላፍነት ዘመላኽት እዩ። እዚ ብሓቂ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ማለት ሕይወት ናይ እደ ጥበብ ሕቶ ጥራሕ ከምዘይኰነ ዘመላኽት እዩ፡ ክርስትና መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕይወት ብድሆታት ንኸስተውዕልን ብግብኡ ንኽትገጥም ዝድግፍ እዩ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሕይወት
13 February 2019, 16:06