ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ምዕጸዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ምዕጸዊ 

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ምዕጸዊ

ኣሉታዊ ዜና ምኽዋል ማለት ዘይኰነስ እተቕርቦ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ሓበሬታ ንለውጥን ንሓቅን ብዝተኰረ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ ዝዀነ ሓቂ ምሕባርን ጽን ምባልን የድሊ፡ ዝቕባበ ሓበሬታ ምውጋድ የድሊ

ኣብ ግዳም ግዛእት ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መንበረ ጥበብ ኣጐስቲኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ዕለት 24 ለካቲት ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ተጸዊዑ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ዘውጽእዎ ናይ ሕጊ ኣዋጅን ከምኡ እውን ቅዋሜ ግብረ ሓይሊ ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ናይ መጠቓለሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምልክኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ኣሕዋት ዝምልከት ቤተ ክርስቲያን እትምርሓሉ ናይ ውሳኔ ሕጊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ክእውጁ ከምዝዀኑን ከምኡ እውን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ምውጋእ ዓመጽን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምልክኻል ብቕዓት ንዘይብሎም ኣሕዋት ሓልዮ እንታይነት  ግብኦምን ሓላፍነቶም ዘመላኽትን ዝኽተልዎንእ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝድግፎም ፍልዩ ሰነድ እውን ከርቅቕን ንነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ምክሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቃልሲ ዓመጽ ዝድግፍ ግብረ ሓይሊ ክቐውም ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣካያድን ናይ ቫቲካን ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዘብርሁን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘይብሎም ከይዲ ግልጽነትን ሓላፍነትን ምሉእ ብምሉእ ዝኽበር እዩ ከምዝበሉ ካስተሊ ሓቢረን።

ሓቂ ክትከሓደ የብላን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ህንዲ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ውጽኢት፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይ ገዳማትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነናብ ሃገሮም ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቀጻሊ ሓላፍነትን ጻዕርን ምዃኑ ኣስተውዒሎም ክምለሱን ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕም ብቕዓትን ዘይብሎም ዜጋታት ብቐዳምነት ክስርዑ ዝገብር ዓውደ ጉባኤ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡

ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ምኽውዋልን ምሕብባእን ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ገበን እዩ

ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተወሳኺ ዋና ጸሓፍን ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና፥ ናይ ልቢ ምልዋጥን መንፈሳዊ ንግደትን ናብ ውሳጣዊ መንነትን ሕልናን ዝድረኸን ዝተፈጸሙ ዝሓለፉ ዓመጽታን ነቶም ዓመጻት ንምኽዋልን ንምቕባርን ዝተፈጸመ በደልን ገበንን ኣፍልጦ ዝሃበን ንሓዋሩ ከይህሉ ዝብል ውሳኔ ዝተመሓላለፈሉ ዓውደ ጉባኤ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካስተሊ ኣስዒበን፡

ድምጺ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወሳኒ እዩ

ናይቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣወሃሃዲት ንናይ መክሲኮ ኖቲሰሮስ ተለቪዚቫ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልእኽቲ ጋዜጠይናን ደራሲትን ቫለንቲና ኣላዝራኪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግልጽነት ክህሉ ዝብል ኣብ መንጐ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ዜና ማዕከናትን ቤተ ክርክርስቲያንን ክህሉ ዝግብኦ ርክብ ግልጽነትን ንውልቃዊ ረብሓን ተፈላጥነት ንምርካብን ካብ ዝብል ኢጎነታዊ ድርዀት ናጻ ዝዀነ ምእንቲ ሓቂ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ክሕብራ እንከለዋ።

ዝቕባበ ይኣክል

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ እውን ብወገኖም፡ ብዙሕ እዋን ካብቲ ሰነይ ሓበሬታ እቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ሓበሬታ እዩ ቀዲሙ ዝጐዪ፡ እቲ ሰናይ ዝዀነ ኣብ ምትራኽን ምሕባርን ብትግሃት ምዕያይ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ሓቂ ምቕዳም ዝብል እዩ፡ ኣሉታዊ ዜና ምኽዋል ማለት ዘይኰነስ እተቕርቦ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ሓበሬታ ንለውጥን ንሓቅን ብዝተኰረ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ ዝዀነ ሓቂ ምሕባርን ጽን ምባልን የድሊ፡ ዝቕባበ ሓበሬታ ምውጋድ የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።  

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ምዕጸዊ

 

25 February 2019, 18:01