ምልክታ ዝሓድግ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ምልክታ ዝሓድግ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ 

ምልክታ ዝሓድግ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ

ንፈለማ ጊዜ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብኵቶሊካውነት መንፈስ ዝመክርን ነዚ ከቢድ መዓት’ዚ መክብባዊ መልሲ ንምሃብ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ

ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዓውደ ጉባኤ፡ ሕልናዊ ምስትውዓልን ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ዝበሃለሉን ሓላፍነት ናይ ብፁዓን ጳጳሳትን ግልጽነትን ዝቃልሓሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጉዳይ ሓልዮ ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቅረብዎ ጽሑፍ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዛዕባ ምልክኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ቅድሚ እቲ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ መኺሩ ንምውጋዱ ዘመላኽት ጭቡጥ መምርሕታትን ምቕራቡ ድሮ  ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፡ እቲ ኣብ ንጹሓን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእስያትን ከቢድ ስምብራት ሓዲጉ ዝሓለፈ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድ ካብቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዘካፍልዎ ናይ ስቓይ ታሪዀም ጽን ካብ ምባልን ስቓዮምን ኣቑሳሎምን ኩሉ ብዕምቆት ብምስትውዓል እቲ ንብዙሕ እዋን ብጽሞና ዝነብርዎ ዝነበሩን ክንገር ዘይግብኦ ተመሲሉ ዝንበር ዝነበረ ስቓዮም ፈንጺጉ ከምዚ ዓይነት ገበን ይኹን ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ከይህሉ ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ድምጺ’ዚ ጽን ትብልን።

ናይ ዝሓለፉ ናይ ምወዳእታ ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሰር ዝስዕብ፡ ምስቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ምርኻብን ብሓባር ምስኦን ናይ ስቓዮም ተኻፋሊ ብምዃን ኣብ ንብዓቶምን ኣብ ጽሎት ብሓባር ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንጕስናኦም ዝተወሃብዎም ክከላኸልሎምን ክሕልውዎምን ክሓንጽዎምን እናተገብኦም ነዚ ኵሉ ኣልዮን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝገበርዎም ዘስዓብዎ ስቓይን በደልን ብሕግን ስርዓት ግብኡ ፍርዲ ብምሃብ ዝሕለፍ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ብስነ ኣሓዛዊ ትንተና ዝቐርብ ጸብጻብ እውን ኣይኰነን፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እውን ይፈጸም ዓቢይ ገበን እዩ፡ እቲ ዘድሊ ሕግን ውሳኔታትን ምጽዳቕ ጥራሕ ዘይኰነ ድሮ እውን ዘሎ እዩ፡ ናይ ኣመለኻኽታን ናይ ባህልን ለውጢ እዩ፡ ንሱ ኸኣ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ኰይንካ ምንባር ከይሁሉ፡ ምሕብባእን ምኽውዋልን ከይሁሉ ዝገብር መገዲ ዘመላኽት እዩ።

ንፈለማ ጊዜ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብኵቶሊካውነት መንፈስ ዝመክርን ነዚ ከቢድ መዓት’ዚ መክብባዊ መልሲ ንምሃብ ዝመክር ዓውደ ጉባኤን፡ ቀዳማይ መዓልቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዘለዎም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልውን መንፍሳውን ሕጋውን ሓላፍነት ዘበራብር እዩ፡ ኣብ ክልኣይ መዓልቲ፡ እውን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝጸባጸብን ብመሰረት ሕገ ቀኖና ኣብ ሓላፍነት ምጉዳል ዝተራእየ ጋግ ዝመዝንን እዩ፡ ኣብ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ግልጽነት ዝምልከትን እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ በርገሳዊ ናይ ፍትሕን ሕግን ጉዳይን ከምኡ እውን ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ፊት ብግልጽነትን ብምሉእ ምትሕብባርን እቲ ሕጻናትን መንእሰያትን ዘዘውትርዎ መክብባዊ ስፍራ ውሑስ ንምግባር ክትዓዪ ዘተባብዕን ዝድግፍን ጉዳያት ዝምልከት እዩ። ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ቅዱስ ኣቦና ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ዓውደ ጉባኤ ክዛዘም እዩ።

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናዊ ኵነት እዩ፡ ኣብ መንጐ ጓሶት ኣብ ሱታፌ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ዘተ እዩ፡ እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዘቕርብዎ ቃል ምስክርነት ብጸሎት ዝተሰነየ ከይዲ ዘለዎ ኰይኑ ናይ መጀመሪያ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዕጸዊ ውዕሎ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ክካይድ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ሰብ እምነት ብትሕትና ኣብ ልዕሊ ኣካል ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ እተበስሮ ወንጌል ስለ ዝተፈጸመ መዓትን ገበንን ሓጢኣትን ምሕረት ንምሕታት እዩ።

እዚ ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ዘላ ዓውደ ጉባኤ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘበገሰቶ ብቐጻሊ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድን ተሓተትቲ ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብን ንለውጥን ንስሓን እተካይዶ ጻዕሪ መቐጸልታ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ሰነዳት ከምዘመልክቶ እውን ኣብ ከይዲ ምውጋእ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፈቶ መንፈሳውን ቲዮሎጊያውን ሕገ ቀኖናውን ውሳኔታትን ንጽሩ እዩ።

በዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ንላዕለዎት ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ንማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ጥራሕ ዘይኰነ ስቓይ ዝተመልኦ ቃል ምስክርነት ብምቕራብ ኣብ ውሽጣን ከምኡ እውን ኣብ ሕብረተሰብ እተካይዶ ጻዕሪ ተመላኽት፡ ስለምንታይ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ግምት ብምሃን ንዅሉ ዝምልከት እዩ።

(Andrea Tornielli)

ምልክታ ዝሓድግ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ
21 February 2019, 17:24