ነቲ ናይ ዓመጽ ግብረ ክፍኣት መንነቱ ናይ ምግላጽ ትብዓት ነቲ ናይ ዓመጽ ግብረ ክፍኣት መንነቱ ናይ ምግላጽ ትብዓት 

ነቲ ናይ ዓመጽ ግብረ ክፍኣት መንነቱ ናይ ምግላጽ ትብዓት

ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ በቶም ውፉያን ዝተኸሓደን እምነት ብምጉዳሎም ዝሳቐይ ናይ እግዚኣብሔር ቁጣዔ ነጸብራቕ እዩ

“ድሕሪ እዚ ኵሉ ዓመጽ ዲያብሎስ ኣሎ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲትን 2019 ዓ.ም. ዝተካየደ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍጻሜ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካብቲ ብጽሑፍ ዘቕረብዎ ሓሳብ ወጻኢ ዝበልዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ ነዚ ሓሳብ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዳሴ ልብሶም ከየውጽኡ ኣብቲ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣብቅዔ፡ ድሕሪ እቲ ኩሉ ግብረ ክፍኣት ዘስዓቦ ስቓይን ኢድ ዲያብሎስ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ልክዕ ነቲ ሄሮዱስ ስልጣኑ ከይስእንን ከይሕደግን ፈሪሑ ኣብ ልዕሊ ኵሎም እቶም ኣብ ቤተልሔም ዝተወልዱ ሕጻናት ዝፈጸሞ ሕልቂት ንጹሓን የዘኻኽረኒ፡ ሓደ እዋን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንገሻ እንከለዎ ምስቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ልኡኻን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ፥ ንሰይጣን ዝዓርግ ኣምልዀ እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ ቶርኒየሊ ኣዘኻኺሮም፡ ድሕሪ እዚ ዅሉ ጸያፍ ተግባር’ዚ ኢድ ሳጥናኤል ህልው እዩ፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ኵሉ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝተወሃበ ሓበሬታ ኰነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ውልቅን ከም ተቕዋም ናይ ማሕበርን ተሓታትነትን ሓላፍነት ንምንእኣስ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናይቲ ጸያፍ ተግባር ጥልቂ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንምሕባር እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዓለም ዘሎን እዚ ኸኣ ከም ኣቦን ጓሳን ዘሎኒ ሻቕሎት ንምሕበር እምበረ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ንዝፍጸም ዓመጽ ንምንእኣስ ከምዘይኰነ ከነጽር እፈቱ ዝበለዎ ጠቒሶም፡ እባደኣ ኣብ መክበብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ምስ ዝኸውን እዚዩ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ሰብኣውነት ዝሓክኽ ተግባር ምዃኑ ንምርግጋጽ ቢሎም ዘመላኸትዎ ቃል እዩ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ በቶም ውፉያን ዝተኸሓደን እምነት ብምጉዳሎም ዝሳቐይ ናይ እግዚኣብሔር ቁጣዔ ነጸብራቕ እዩ።

ብሱቕታ ናብ እግዚኣብሔር ዘእውይ ስቓይ ንጹሓን፡ ናይቲ በቶም ብገለ ገለ ውፉያን ናብ መጋበሪያ ምግባረ ብልሽውናን ጽመት ሰብኣውነት ናብ ዘለዎም ኣካላት ዝተቐየሩ ዝተፈጸመ ዘይሓውይ ናይ ሕይወት መስበርቲ ምዃኑ ኣብቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣቃሊሑ እዩ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ መንፍሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ልቢ ሰንጢቑ ዝወግኤ ኵነት እዩ፡ ዝቐርብ ዝነበረ ዝተፈላለየ ምኽንያትን ሕጋዊ ምኽንዮታትን ነቲ ናይ ዓመጽ ጉዳይ ናብ እደኣዊ (technical) ጉዳይ ኣውሪድካ በዚ መገዲ’ዚ ምግላጹን ምዝታይን ኣብ ዕርዲ ስነ ኣሓዛዊ ጸብጻብ ገዛእ ርእስኻ ምኽዋልን ዝብሉ መገድታት ኵሉ ዝገሰጸ ቃል እውን እዩ፡ ናይቲ ናይ ዓመጽ ክስተት ከበድ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ምስትዓል ክህሉ ዝገበረ መደረ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ መደረ፡ ብዙሓት ኣብ ምስፋሕ ቃለ ወንጌል ገዛእ ርእሶም ዘይበቍን ክሳብ መስዋዕትነት ዝብሉን ንሕጻናትን ንዅሎም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ኰነ ዓቕሚ ንዘይብሎም ኣብ ምግልጋልን ንክርስቶስ ዝከላኸሉ ብዙሓት ካህናትን ገዳማውያንን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓዘቕታዊ ግብረ ክፍኣት እቲ ኵሉ ሰናይ ተግባር ንኽትዕበይ ዘይኰነ ከም ኣብነት ንመን ክትጥምትን ክትስዕብን ከምዘለካ ንምምልካት እዩ።

እቲ ናይ ቫቲካን ዓውደ ጉባኤ ነቶም ተጋባእያን ብዛዕባ እቲ ኣዕናዊ ግብረ እከይን ሓጢኣትን ከስተውዕልዎ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ከብድኻ ከምዝወርደካ ጉስጢ ኰይኑ ምሕረት ንኽትሓትት ሓገዝ መለኮታዊ ጸጋ እትምህለለሉ እውን እዩ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ገና ካብ ምብጋሱ ነቲ ግብረ እከይ ንምብዳህ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስሉጥ መዕቅን ክህሉ ዝብል ዓቢይ ድላይ ከምዘርኣየን፡ ብዘይ ምቁራጽ ንሰማየ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ናይቲ ግብረ ክፍኣት ከበድ ሓጢኣት ምስትውዓል ዝተነበረሉን እዚ ኸኣ ብግብራዊ ውሳኔታትን ቆራጽ ተግባራትን ዝተሰነየ ከምዝኸውን ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ምክብብ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎም ውሑስ ስፍራ መታን ክኸውን፡ እዚ ጻዕሪ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብና ክፍልታት እውን ዝመሕላለፍ ኵነት ክኸውን ትስፋ ዝተነብሮ እውን እዩ።

(Andrea Tornielli)

ነቲ ናይ ዓመጽ ግብረ ክፍኣት መንነቱ ናይ ምግላጽ ትብዓት
26 February 2019, 09:07