ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ታሪኻዊ መገሻ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ታሪኻዊ መገሻ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬት 

ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ታሪኻዊ መገሻ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬት

ኣብተን ኵለን ቅዱሳት ስፍራ እቲ ዓለም ክህቦ ዘይከኣሎ ሰላም ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዝሃቦም ሰላሙ እንጽልየሉን፡ እዚ ሰላሙ ንሓድ ሕድኩም ተፋቐሩ ዝብል ትኣዛዙ መሰረት ዝገበረን እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ኢየሱስ ዝተወለደላ ቅድስቲ መሬት ዝፈጸመዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጎራስ ዘካየድዎ ታሪኻው ርክብ ዝኽሪ መበል 55 ዓመት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ማእለያ ብዘይብሉ ሕዝቢ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብበሪ ደማስቆ ኣቢሎምን ብናይ ቅድስቲ መሬት ታሪኻዊ ቦታታት እናቋረጹ ዘካየድዎ ምብጻሕን፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፈጸሞ ሓዋያዊ መገሻ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘይርሳዕ እዩ፡

ናይ ጸሎትን ንስሓን ጉዕዞ

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ካብ ዕለት 4 ጥሪ ክሳብ ዕለት 6 ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ናይ ጸሎትን ንስሓን ጉዕዞን ኣብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ክርስቲያናዊ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ሮማ ንኽመጽእ ዝነቐለሉ ቅዱስ ስፍራ ኣካይዶም፡ እዚ ናብቲ መበቆል ክርስትና ዝዀነ ስፍራ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዕለት 4 ጥሪ 1964 ዓ.ም. ንጉሆ ኣብ ኣማን መዕርፎ ነፍፈርቲ በጺሖም ኣብኡ ብናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ሑስየን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ዝጀመርዎን ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ “እዚ መገሻ’ዚ መንፈሳዊ ንግደት እዩ፡ ብጠቅላላ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ካብ ምውላዱን ክሳብ ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዘሎ ቅዱስ ታራኽ ኣሰር ዝኽተል ምብጻሕ እዩ፡ ኣብተን ኵለን ቅዱሳት ስፍራ እቲ ዓለም ክህቦ ዘይከኣሎ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዝሃቦም ሰላሙ እንጽልየሉን፡ እዚ ሰላሙ ንሓድ ሕድኩም ተፋቐሩ ዝብል ትኣዛዙ መሰረት ዝገበረን እዩ፡ ነዚ ሰላም እዚ ንጽልይ፡ እንክብሉ ናብ ቅድስቲ መሬት ቅድሚ ምቃሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘስመሩሉ የዘኻኽር።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር

ብከባቢ ውሕጂ ዮርዳኖስ ኣቢሎምን ብቤት ኣልኣዛር ኣብ ቤታንያ ሓሊፎም ኣብ ኢየሩሳሌም በጺሖምን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ እዋኑ እምበኣር ከስ ቀልብና ዝነቓቕሓሉ እዋን እዩ፡ ብግልጽን እውነተይና ስለ ናይ ዝሓለፉን ናይ ዘለዉን ናይ ዘለናን ኵላትና ሓጢኣትን ኣብ ታራሪኽ ኩሉ ስለ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ጣዕሳን ንስሓን የድልየና።

ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራስ

ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በነዲክቶስን ምስ ናይ ኣርመን ስርዓት ምስ ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ደርደሪያንን ምስ ናይ ምስራቕ ስርዓት ምስ ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ምስቶም ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንኽራኸቡ ኢየሩሳሌም ምስ ዝኣተዉ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራስን ኣብ ደብረ ዘይቲ ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶምን ብሓባር ብላቲንን ብግሪክን ቋንቋታት ጸልዮም እቲ ኣብ 1054 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተመሓላሊፉ ዝነበረ ናይ ውግዘት ውሳኤ ክለዓል ዝብል ስምምዕ ከምዝፈጸሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ የዘኻኽር።

ቃል ሰላምታ ንናይ እስራኤል መንግስትን ሰበ ስልጣናትን

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 5 ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብ እብራይስጣዊ ክፍሊ ከተማ ኢየሩሳሌም በጺሖምን ኣብ እምባ መጊዶ ምስ ናይ እስራኤል ሰበ ስልጣናት ተራኺቦም፡ ካብዛ ኣብ ዓለም እንኰን ፍልይትን ዝዀነት ዓበይቲ ታሪኽ ዝተፈጸመላ ናይ ኩሉ ኣማንን ኢኣማንን ናይቲ ናይ ቃል ኪዳን ሕዝቢ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ሃይማታዊ ታሪኽ ዓቢይ ግደን  ዘለዎን ሕዝቢ ትሑት ጸሎት ልመናና ናብ እግዚኣብሔር ነዕርግ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ጲዮስ መበል 12ን ካልኣይ ውግእ ዓለምን

ኣብ ናዝሬትን ታግባን ጥብርያዶስን ኣብታ ኢየሱስ ስነ ብጽዕና ዝሰበኸላ ጐቦን፡ ኣብ ጐቦ ታቦርን ኩሉ በጺሖምን ናብ ኢየሩሳኤም ምስ ተመልሱ፡ ካብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ እስራኤል ክሰናበቱ እንከለዉ፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ፍጥረት ሰብ ንምድሓንን ነቶም ኣብ ከቢድ ጸገም ዝነበሩን ዝሳደዱን ዝቕተሉን ንዝነበሩ ሕዝብታት ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕርን ኩሉ ዘኪሮም፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ታሪኽ ብምቅላዕ፡ ብዙሓት ድሕሪ ምዝዛም እቲ ውግእ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 መጺኦም እናነብዑ ስለ ዘድሓንዎም ዘመስገንዎም ውሑዳት ከምዘይነበሩ ከዘኻኽር እፈቱ ከምዝበሉን

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተልሄምን ምምላስ ናብ ሃገረ ቫቲካንን

ዕለት 6 ጥሪ 1964 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዝእነ ኣብ ቤተ ልሔም ባዚሊካ ዘልደቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ኣብ ዓለም ሰላምን ውህደት ክርስቲያንን ክረጋገጽ ጸልዮም፡ ዳግም ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራስን ኣብ ኢየሩሳኤም ምስ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ተራኺቦም፡ ኣብ ምምላሶም እዚ ዘካየድክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ውልቃውን መንፈሳውን መገሻ ጥራሕ ዘይኰነስ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ናይ ሓድሽ ኩነት ብጋሴ ምልክታ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ብዙሓት ዘስተዎልክምዎ እውን ይመስለኒ ከምዝበሉ የዘኻኽር።

05 January 2019, 14:38